SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Follow SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Share on
Copy link to clipboard

Listen to interviews, features and community stories from the SBS Radio Tigrinya program, including news from Australia and around the world. - ካብ ኣውስትራሊያን ዓለምን ዘካተተ ዜናታት፡ ቃለ መሕትታትን ትንታነታትን ብዛዕባ ኩነታት ማሕበረሰባት ንምስማዕ ረዲዮ ኤስ.ቢ.ኤስ መደብ ትግርኛ ተኸታተሉ።

SBS Tigrinya


    • Sep 30, 2026 LATEST EPISODE
    • daily NEW EPISODES
    • 15m AVG DURATION
    • 4,034 EPISODES


    Search for episodes from SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ with a specific topic:

    Latest episodes from SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

    "ኣብ ሆስፒታላት ኮረምን ኣላማጣን ዝኣተዉ ጉዳኣት ውግእ፡ ቍጽሮም ክሳብ 420 በጺሑ።" ሓካይም ብዘይ ዶብ፡ ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ

    Play Episode Listen Later Sep 30, 2026 5:58


    ** ናብ ሳልሳይ ሃገር ዝስጎጉ ስደተኛታት ክጅመር፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ኣፍቂዱ። ** ኣብ ሆስፒታላት ኮረምን ኣላማጣን ዝኣተዉ ጉዳኣት ውግእ፡ ቍጽሮም ካብ 180 ናብ 420 ክብ ከም ዝበለ 'ሓካይም ብዘይ ዶብ' (MSF) ኣፍሊጡ። ** መራሒት ሰልፊ ግሪንስ ኣውስትራሊያ ላሪሳ ዋተርስ ብስእነት ጥዕና ካብ ስልጣና ድህሪ ምውራድ እቲ ሰልፊ መራሒኡ ይመርጽ...#sbsaudiopodcast

    መጠን ወለድ ልቓሕ ኣብዚ ዓመት ንራብዓይ ግዚኡ ወሲኹ፡

    Play Episode Listen Later Sep 29, 2026 9:15


    ሪዘርቭ ባንክ ኣውስትራልያ ኣብዚ ዓመት ንራብዓይ ግዚኡ ንዝቕባበ ንምግታእ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ መጠን ወለድ ወሲኹ። ወግዓዊ መጠን ገንዘብ ኣብ 15 ዓመታት ዝለዓለ ደረጃ 4.6 ሚእታዊት በጺሑ ኣሎ፡ እዚ ዝኾነ ድማ ድሕሪ'ቲ ብሰሉስ ብ25 መሰረታዊ ነጥቢ ወሰኽ ምስ ኣርኣየ እዩ። ሰልፊ ጥምረት ምኽንያት ናይዚ ንወጻኢታት መንግስቲ ክወቅስ እንከሎ፡ ሰልፊ ሌበር ድማ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ ቀንዲ ጠንቂ ምዃኑ የመልክት።#sbsaudiopodcast

    ኣባላት ጸጥታ ፈደራል ዝርከብዎም ወከልቲ ትካላት ካብ ትግራይ ከምዝወጻኡ ተፈሊጡ ... ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (29 መስከረም 2026)

    Play Episode Listen Later Sep 29, 2026 6:43


    ** መንጐኛታት ቀጠር፡ ነቲ ኣብ ኢራን ዝግበር ዘሎ ኲናት ንምቁራጽ ሓድሽ ድፍኢት ንምግባር፡ ምስ ሰብ መዚ ኢራንን ኣመሪካን ይዛተዩ ኣለዉ... ** ሪዘርቭ ባንክ መጠን ወለድ ናብ 4 ነጥቢ-6 ሚእታዊት ክውስኽ ምዃኑ ክገልጽ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፡ ወነንቲ ናይ ልቓሕ/ ሞርጌጅ ኣባይቲ ኣብ ቅድሚኦም ከቢድ ግዜ ከምዘሎ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ።... ** ኣባላት ጸጥታ ፈደራል ዝርከብዎም ዓለምለኻዊ ወከልቲ ካብ ትግራይ ከምዝወጻኡ ተፈሊጡ ...#sbsaudiopodcast

    Who really runs Australia, and where you fit in | How Australia Works - ኣውስትራልያ መን'ዩ ብሓቂ ዘካይዳን ዝመርሓን፣ ቦታኹም ከ ኣበይ'ዩ፧ | How Australia Works

    Play Episode Listen Later Sep 28, 2026 8:57


    Do you know who can help you with a business permit, a rental problem or family support? Through the stories of Fedele, Carol and Abeer, learn how Australia's three levels of government work. Find out what local, state or territory, and federal governments are responsible for and where to turn for help. - ኣብ ፈቓድ ንግዲ፣ ጸገም ገዛ ኽራይ ወይ ደገፍ ንስድራቤት መን ክሕግዘኩም ይኽእል ትፈልጡ ዶ፧ ብመንገዲ ዛንታታት ፈደለ፣ ካሮልን ኣቢርን ኣቢልኩም ሰለስቲኦም ቀጸላታት (ደረጃታት) መንግስቲ ከመይ ይሰርሑ ተመሃሩ። ከባቢያዊ፣ ግዝኣታዊ ወይ ዶባዊ ምምሕዳርዊ፣ ከምኡ'ውን ፈደራላዊ መንግስታት እንታይ'ዩ ሓላፍነቶምን ሓገዝ እንተደሊኹም ናብ መኖም ትኸዱን ፍለጡ።How Australia Works is an SBS podcast that uses real stories and clear explanations to help you understand how government work in Australia, how laws are made and changed, and how you can have a say. Listen to the series and find shorter versions in 60 languages on the How Australia Works main page. - መደብ 'How Australia Works' ኣብ ኣውስትራልያ፣ መንግስቲ ከመይ ይሰርሕ፡ ሕግታት ብኸመይ ይወጹን ይቕየሩን፡ ከምኡ'ውን ድምጽኹም ከመይ ከተስምዑ ትኽእሉን ክትርድኡ ዝሕግዘኩም፣ ሓቀኛ ዛንታታትን ንጹር መግለጺታትን ዝጥቀም ፈነወ SBS እዩ። ነዚ ተኸታታሊ መደብ ስምዕዎን ሓጸርቲ ትሕዝቶታት ብ60 ቋንቋታት ኣብ ቀንዲ ገጽ How Australia Works ርኸቡ።

    You are already inside the system | How Australia Works - እዛ ሃገር ኣብ ትጥቀመሉ ኣስራርሓ ሕጊ እትዋት ኢኹም | How Australia Works

    Play Episode Listen Later Sep 28, 2026 4:17


    How do Australia's governments, laws and public services affect your everyday life? Through real stories, this introduction to the series shows you where to start when you need information and support, and how to question a decision. - መንግስታት፡ ሕግታትን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ኣውስትራልያ ንዕለታዊ ህይወትኩም ብኸመይ ይጸልዉዎ? ብሓቀኛ ዛንታታት ኣቢሉ፡ እዚ መእተዊ ናይ'ቲ ተኸታታሊ መደብ፡ ሓበሬታን ደገፍን ኣብ ዘድልየኩም እዋን ካበይ ትጅምሩን፡ ንሓደ ውሳነ ድማ ብኸመይ ትብድህዎን ትሓቱን የርእየኩም።How Australia Works is an SBS podcast that uses real stories and clear explanations to help you understand how government work in Australia, how laws are made and changed, and how you can have a say. Listen to the series and find shorter versions in 60 languages on the How Australia Works main page. - መደብ 'How Australia Works' ኣብ ኣውስትራልያ፣ መንግስቲ ከመይ ይሰርሕ፡ ሕግታት ብኸመይ ይወጹን ይቕየሩን፡ ከምኡ'ውን ድምጽኹም ከመይ ከተስምዑ ትኽእሉን ክትርድኡ ዝሕግዘኩም፣ ሓቀኛ ዛንታታትን ንጹር መግለጺታትን ዝጥቀም ፈነወ SBS እዩ። ነዚ ተኸታታሊ መደብ ስምዕዎን ሓጸርቲ ትሕዝቶታት ብ60 ቋንቋታት ኣብ ቀንዲ ገጽ How Australia Works ርኸቡ።

    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (28 መስከረም 2026)

    Play Episode Listen Later Sep 28, 2026 47:43


    ንሎሚ 28 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።#sbsaudiopodcast

    ጃፓን፥ ኣብዚ ዓመት 100 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም 100 ሽሕ ሰባት ዘለዉዋ ሃገር ብምዃን ክብረወሰን ሰይራ።

    Play Episode Listen Later Sep 28, 2026 8:23


    ጃፓን፥ ኣብ ዓለም ፈላሚት ኣብዚ ዓመት 100 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም 100 ሽሕ ሰባት ብምህልዋ ንዝጸንሐ ክብረወሰን ሓሊፋቶ። ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ዕዮን ድሕነትን እታ ሃገር፡ ቁጽሪ ደቂ ሚእቲ ዓመት ጃፓን ንመበል 56 ተኸታታሊ ዓመት ወሲኹ ናብ 107,677 በጺሑ- ካብዚኦም 88 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ እየን። ግን ብኸመይ? ብሓቂኸ ልዕሊ 100 ዓመት ክንበጽሕ ክንነብር ንደሊ ዲና? ...#sbsaudiopodcast

    ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (28 መስከረም 2026)

    Play Episode Listen Later Sep 28, 2026 11:48


    ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ ፌደራል እቲ ቫይረስ እናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣብ ዙርያ ጉንፋዕ ኣዕዋፍ ንቕሓት ህዝቢ ንምዕባይ ዝዓለመ ሃገራዊ ወፍሪ ጀሚሩ፣ ። ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ኣብ መላእ ዓለም ብድኽነት፣ ግጭትን ምዝንባልን ዝተሃስዩ ሰባት ንምሕጋዝ ናይ ልዕሊ 810 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ቃል ኣትያ። ሆላንዳዊት ተቐዳዳሚት ደሚ ቮለሪንግ ኣብ ሞንትርያል ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጽርግያ ደቂ ኣንስትዮ ዋንጫ ዓለም ተዓዊታ።#sbsaudiopodcast

    ዓዀዄይ ዓዀዄይ ኲናት ውፃእ ሰላም እቶ . . .

    Play Episode Listen Later Sep 28, 2026 5:52


    በዓል መስቀል፡ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስትያን ኢይቶጵያን ኤርትራን፡ ነቲ እየሱስ ክርስቶስ ዝተሰቐለሉ መስቀል፡ ን ኣማኢት ዓመታት ካብ ዝተቐበረሉ መሬት ዝወፀሉ ኩነት ንምዝካር ፡ ዳሜራ ኣንዲዶም፡ ዝዝክሩሉ በዓል እዩ። ኮይኑ ግና መስቀል መንፈሳዊ ጥራይ ዘይኮነስ ኣካል ንባህሊ፡ ጥበብን ፍልስፍናን እዞም ማሕበረሰባት ዝፀሉ ትውፊት ኮይኑ ንረኽቦ። ሃይሉ ሳህለ ኣከባብራ በዓል መስቀል ኣብ ትግራይ ዝምልከት ዘቕረቦ.....#sbsaudiopodcast

    ክንደይ ዝኣክል ሓበሬታ ጥዕና'ዩ OpenAI ብዝውንኖ AI Agent ተሰሪቑ፧ ብዛዕባ'ቲ ምስርሳር (hack) ኩሉ'ቲ ሓቂ ተነጊሩና ድዩ፧

    Play Episode Listen Later Sep 27, 2026 9:34


    ሓደ ኤጀንት OpenAI "ሓጹር ዘሊሉ" ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ/ፖርታል Medicare (ሜዲኬይር) ሰርሲሩ ኣትዩ።#sbsaudiopodcast

    ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ትግራይ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ። ውግእ ኣብ ወሰን ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ቀጺሉ፤ (ጸብጻብ)

    Play Episode Listen Later Sep 27, 2026 9:39


    ኤምባሲ ኣውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሓደጋ መጠንቀቕታ ኣብ ኢትዮጵያን ጁቡቲን ዘርጊሑ ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣድማዒ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ከም ዘካየደ ተሓቢሩ። ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ትግራይ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ። ውግእ ኣብ ወሰን ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ቀጺሉ፤ ኣብ ትግራይ ድማ ስልክን ባንክን ተዓፅዩ። ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ 'ከም ገበን ኲናት' ክምርመር ጸዊዑ።#sbsaudiopodcast

    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (24 መስከረም 2026)

    Play Episode Listen Later Sep 24, 2026 58:21


    ንሎሚ 24 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።#sbsaudiopodcast

    ንጥፈታት ፐን ኤርትራን ምሽላም ጸሓፊ እምነቱ ተስፋይን፡ ዝርርብ ምስ ኣቦ መንበር ዓወት ፍስሃየ

    Play Episode Listen Later Sep 24, 2026 15:17


    ኤርትራዊ ጸሓፋይን ተመራማሪ ታሪኽ ህይወትን ዝዀነ እምነቱ ተስፋይ፡ ኣብ ምጽሓፍ ታሪኽ ህይወት (ባዮግራፊ)ን ስነ-ጽሑፋዊ ምርምርን ብምውፋር፡ ታሪኻዊ ዝኽሪ ኤርትራ ብምስናድን ብምዕቃብን ንዘበርከቶ ሰፊሕ ኣስተዋጽኦ ብምግንዛብ፡ ተዓዋቲ ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ፐን (PEN) ኤርትራ 2026 ኰይኑ ከም ዝተሸለመ፡ ፐን ኤርትራ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ገሊጹ ነይሩ። ብዛዕባ ስልማትን ካልእ ንጥፈታት ናይ ፐን ኤርትራ ኣመልኪትና ምስ ኣቦ መምበር ናይቲ ትካል ኣቶ ዓወት ፍስሃየ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት።#sbsaudiopodcast

    ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (24 መስከረም 2026)

    Play Episode Listen Later Sep 24, 2026 12:01


    ኣርእስታት ዜና፥ ** ሓይልታት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ትማሊ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ውግእ ጀሚሮም፤ ** ሎሚ መዓልቲ [[24 መስከረም]] ዓለምለኻዊ መዓልቲ ምርምር መንሽሮ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ተራ ተመራመርቲ ኣብ ምፍላጥ፡ ምፍዋስን ምክልኻልን መንሽሮ ንቕሓት ንምዕባይ ዝዓለመ ንጥፈታት ዝካየደሉ እዩ። ** ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ኩዕሶ እግሪ (ሶከሩስ) መሓመድ ቱረ ብሰንኪ ዝገብሮ ናይ ብርኪ መጥባሕቲ ፡ ንኣዋርሕ ካብ ጸወታ ተገሊሉ ክጸንሕ ምዃኑ ተገሊጹ።#sbsaudiopodcast

    ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፌደራልን ዝተወለዐ መጠነ ሰፊሕ ኲናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝሰፍሐ ተገሊጹ። (ጸብጻብ)

    Play Episode Listen Later Sep 23, 2026 7:09


    ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ፌደራልን ዝተወለዐ ግጭት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝሰፍሐ ተገሊጹ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣሜሪካን ካልኦት ዓለምለኻውያን ተዋሳእትን ድማ ብዛዕባ ዚ ደግሲ ኲናት መግለጺ ሂቦም ኣለዉ።#sbsaudiopodcast

    ቴህራን በቲ ትራምፕ ዝደልዮ መገዲ ኣብ ስምምዕ ሰላም ክትበጽሕ እንተዘይኪኢላ፡ ንኢራን "ከጥፍኣ" ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

    Play Episode Listen Later Sep 23, 2026 9:51


    መራሕቲ ዓለም ንሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ ተኣኪቦም ኣብ ዘለዉሉ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዩክሬንን ዝካየድ ውግኣት ነቲ ዓመታዊ ኣኼባ ዓብሊሉዎ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዶናልድ ትራምፕ ዘስምዖ ኣሰንባዲ መደረ፡ ሃገራት ብዛዕባ ፖሊሲ ክሊማን ጃምላዊ ስደትን ክኹንና እንተኾይኑ "ናብ ሲኦል ይኸዳ ኣለዋ" ብምባል ዕግርግር ፈጢሩ ነይሩ። ኣብዚ ዓመት'ውን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዘቕረቦ መደረ ፡ ቴህራን ምስኡ ኣብ ስምምዕ ሰላም ክትበጽሕ እንተኣቢያ፡ ንኢራን "ከጥፍኣ" ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።#sbsaudiopodcast

    ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሲሪላንካ ኣብ 2019 ኣብ ሰንበት ፋሲካ ብዝተፈጸመ ቦምባታት ብዝተሓሓዝ ን15 ሰባት ፈሪዱ። (ዜና SBS ትግርኛ 23 መስከረም 2026)

    Play Episode Listen Later Sep 23, 2026 6:00


    *** ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሲሪላንካ ኣብ 2019 ኣብ ሰንበት ፋሲካ ብዝተፈጸመ ቦምባታት ብዝተሓሓዝ ን15 ሰባት ፈሪዱ። *** ኣመሪካ ምስ ዴንማርክን ሓድሽ ስምምዕ ጸጥታ ኣርክቲክ ብምፍራም፡ ወተሃደራዊ ህላወ ኣመሪካ ኣብታ ግሪንላንድን ኣስፊሐን ። *** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ፡ መራሕቲ ዓለም ኣብ ምክልኻል ሓደጋታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብሓባር ክሰርሑ ኣተሓሳሲቡ፡#sbsaudiopodcast

    Breast screening: What to expect and why it matters - መርመራ ጡብ፡ እንታይ ትጽበዪን ኣገዳሲነት እቲ መርመራ ምፍላጥን።

    Play Episode Listen Later Sep 22, 2026 10:37


    Regular breast screening can help find breast cancer early, before you notice any signs or symptoms. Screening is free for eligible women or people at risk of breast cancer. It takes about 20 minutes, once every two years, and it's an effective way to take charge of our health. Let's take a closer look at why a breast screen is nothing to be anxious about. - ስሩዕ መርመራ ጡብ ንመንሽሮ ጡብ ብኣግኡ እቲ ሕማም ምህላዉ ንምፍላጥ ክሕግዝ ይኽእል እዩ፣ ቅድሚ ዝኾነ ምልክታት ወይ ምልክታት ምፍላጥካ። መርመራ ክገብራ ንዝምልከተት ደቂ ኣንስትዮ ወይ ንመንሽሮ ጡብ ኣብ ሓደጋ ዝርከባ ሰባት ብነጻ እዩ። ኣስታት 20 ደቓይቕ ዝወስድ ኮይኑ፡ ኣብ ክልተ ዓመት ሓደ ግዜ መርመራ ምግባር፡ ንጥዕና ንምሕላው ውጽኢታዊ መገዲ'ዩ። መርመራ ጡብ ክትጭነቐሉ ዘለካ ነገር ከምዘይኮነ ኣብዚ ተገሊጹ ኣሎ።

    ኪዳን ዉዱባት ኢትዮጵያ ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዉሽጥን ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ: ተሌቪዥን ትግራይ ተኣጊዱ። ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (22 መስከ

    Play Episode Listen Later Sep 21, 2026 7:10


    *** ኣውስትራሊያ ትርከበን 22 ሃገራት ዓለማዊ ካብ ኤይ ኣይ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ሓለዋ ክግበር ተሰማሚዐን። *** ኣብ የመን ብዘሎ ዕግርግር ኣስታት 130 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም። *** ኪዳን ዉዱባት ኢትዮጵያ ኣንጻር መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዉሽጥን ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀጺሉ። ተሌቪዥን ትግራይ ብሰብ መዚ ኢትዮጵያ ተኣጊዱ።#sbsaudiopodcast

    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (21 መስከረም 2027)

    Play Episode Listen Later Sep 21, 2026 50:43


    ንሎሚ 21 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።#sbsaudiopodcast

    ሃገራዊት ጋንታ ኣትሌቲክስ ኤርትራ ኣብ ሻምፕዮን ዓለም ኣትሌቲክስ ወርቅን ነሓስን መዳልያታት ተዓዊታ። ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (21 መስከረም 2026)

    Play Episode Listen Later Sep 21, 2026 10:30


    ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ፡ ኣውስትራልያ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት መንበር ንምርካብ ተካይዶ ጻዕሪ ብወግዒ ኣበጊሱ ። ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝ ኣብ ክልተ ግዝኣታት ምርጫታት ዓቃባዊ ሰልፉ ዓቢ ስዕረት እንተጋጠሞ'ኳ ኣብ ስልጣኑ ክጸንሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ። ሃገራዊት ጋንታ ኣትሌቲክስ ኤርትራ ኣብ ዴንማርክ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ዓለም ኣትሌቲክስ 2026 ወርቅን ነሓስን መዳልያታት ተዓዊታ።#sbsaudiopodcast

    Migration overhaul: Labor tightens visa rules for students, tourists and backpackers - መንግስቲ ኣውስትራልያ ሕጊታት ማይግረሽን ኣትሪርዎም፣ ናይ ደገ ተመሃሮ፣ በጻሕትን ስራሕ ዘፍቅድ ናይ

    Play Episode Listen Later Sep 20, 2026 11:47


    The government has unveiled its plan to reduce net overseas migration to 225,000 by 2028 in line with forecasts from the May budget. Many of the most significant changes relate to international students, working holiday makers and visitor visas. The government has also flagged stronger enforcement and a crackdown on visa hopping. - መንግስቲ ኣውስትራልያ ምስ'ቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዘውጽኦ በጀት ዝሰምር ክሳብ 2028 ጽሩይ ቁጽሪ ፍልሰት ህዝቢ ካብን ናብን ኣውስትራልያ (Net overseas migration) ናብ 225,000 ክጎድል ዘውጽኦ መደብ ኣፍሊጡ። ብዙሓት ካብ'ቶም ኣዝዮም ዓበይቲ ምቅይያራት ምስ ናይ ደገ ተመሃሮ፣ ስራሕ ዘፍቅድ ናይ ዕረፍቲ ቪዛ ዝሓዙን በጻሕትን ዝተኣሳሰሩ ቪዛታት'ዮም። እቲ መንግስቲ ብተወሳኺ ዝተረረ ትግባረ ሕጊን ኣብ'ቲ ቪዛ ሆፒንግ ተባሂሉ ዝጽዋዕ (ግዝያዊ ቪዛ ዘለዎም ሰባት ደጋጊሞም ካልእ ግዝያዊ ቪዛ ዘውጽእሉ) ድማ ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣተንቢሁ'ሎ።

    ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዋግኡ ውድባትን ዕጡቓት ጉጅለታትን ምሕዝነት ከም ዝፈጠሩ ኣፍሊጦም።

    Play Episode Listen Later Sep 20, 2026 7:03


    ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መኽፈቲ ሲፖዝዩም ዝኽሪ ወርቃዊ እዮቤልዩ ምምስራት ቤት-ትምህርቲ ሰውራ መደረ ኣስሚዑ ። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣጽኒዓቶ ንዝጸንሐት በይናዊ ኣገዳ ኣልዒላቶ።#sbsaudiopodcast

    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ትግርኛ (17 መስከረም 2026)

    Play Episode Listen Later Sep 17, 2026 52:58


    ንሎሚ 17 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።#sbsaudiopodcast

    “ሰባት ናይ መርዓኦም ብሩራዊ ኢዮቤልዩ ክዝክሩ'ኸለዉ፡ ንሕና ብሩራዊ ቃንዛና ኢና ንዝክር ዘለና።” ግርማይ ዮሃንስ ኣዳላዊ መጽሓፍ "ዝተሰብረ ሕልሚ"

    Play Episode Listen Later Sep 17, 2026 39:28


    ወትሩ ወርሒ መስከረም ኣብ ኤርትራ ጋዜጠኛታት ብሕቲ ጋዜጣትትን ብጉጅለ 15 ዝስመዩ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ ዝተኣስርሉን ሃለዋቶም ዝጠፍኣሉን ዝዝከረሉን እዩ። እቲ ኣብ 2001 ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ሎሚ ርብዒ ዘመን ኣቚጺሩ ኣሎ። ሓዉ ንካብቶም ዝተኣስሩ ፍስሃየ ጀሹዋ ዝኾነ ጸሓፊ ግርማይ ዮሃንስ “ዝተሰብረ ሕልሚ” ብዝብል ንመበል 25 ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ኣባላት ባይቶን ኣመልኪቱ ዝጸሓፋ መጽሓፍ ዝምልከት ቃለ መሕትት።#sbsaudiopodcast

    ሰልፊ ማእከላይ ጸጋማዊ ተቓወሚ ሽወደን ኣብ ሃገራዊ ምርጫ እታ ሃገር ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ የማናይ ክንፊ ብጸቢብ ፍልልይ ስዒሩዎ። (ዜና 17 መስከረም 2026)

    Play Episode Listen Later Sep 17, 2026 10:06


    ኣርእስታት ዜና፥ ** ጽላት ንግዲ ኣብ መደብ ፖሊሲ ስደት ኣውስትራልያ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ስግኣቱ ገሊጹ... ** ሓንቲ እንግሊዛዊት ቁሸት ብሰንኪ ንሓተትቲ ዑቕባ ዝኸውን መንበሪ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ክትግንጸል ረፈረንደም ኣካዪዳ... ** ሰልፊ ማእከላይ ጸጋማዊ ተቓወሚ ሽወደን ኣብ ሃገራዊ ምርጫ እታ ሃገር ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ የማናይ ክንፊ ብጸቢብ ፍልልይ ስዒሩዎ። ** ውድድር ግራንድ ፕሪክስ ንዓመተ ስፖርት 2027 F1 ኣብ መልበርን ኣይክኽፈትን ኢዩ።#sbsaudiopodcast

    "ኣብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ፡ ኣሜሪካውያን ንዝርከብዎም ወጻእተኛታት መጥቃዕቲ ክፍጸም ይኽእል'ዩ።" ኤምባሲ ኣመሪካ (ጸብጻብ)

    Play Episode Listen Later Sep 16, 2026 9:16


    ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣውስትራልያ ምስ ኮሚሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ዘካዶ ዘተ ዕዉት ምንባሩ ተገሊጹ። ብካልእ ሓበሬታ ኮሚሽን ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ትግበራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንምቕጻል ደገፍ ከም ዝገብር ኮሚሽነር ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ። ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሪያድ ምስ ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ዘተ ኣካይዱ። ኣብ ክልል ሶማል ኢትዮጵያ ኣሜሪካውያን ንዝርከብዎም ወጻእተኛታት መጥቃዕቲ ክፍጸም ከምዝኽእል ሓበሬታ ከምዘለዎ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣጠንቂቑ።#sbsaudiopodcast

    ጠበቓን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ናይዶል ንውዮን ነቲ "ናይ ጻዕዳ ባህሊ ዝበሃል የለን" ዝበለቶ ስዒቡ ንዝቐርብ ዘሎ ዝለፋ መልሲ ሂባ።

    Play Episode Listen Later Sep 16, 2026 7:30


    ኒውዮን ትማሊ ሶኑይ ኣብ ሃገራዊ መድረኽ ብዛዕባ ስደት ኣብቲ ABC ዘዳለዎ መድረኽ ክትዕ ቀሪባ፡ ኣውስትራልያ ብታሪኽ ሓደ ባህሊ ዘለዋ እያ ዝብል ሓሳብ ነጺጋቶ፡ "ክትወሃሃድ ሓሳብ ከምዘይብላ" ድማ ገሊጻ። እዚ ማለት ግን ንኣውስትራልያ፡ ሕግታታ ወይ ነታ "ብዕምቆት" ትፈትዋ እትብላ ሃገር ምንጻግ ማለት ከምዘይኮነ ኣስሚራትሉ።#sbsaudiopodcast

    #119 Talking about hay fever (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ምስ SBS #119 Talking about hay fever (Med)

    Play Episode Listen Later Sep 15, 2026 10:29


    Learn English useful for talking about hay fever. Practise everyday phrases for describing symptoms, talking about medicine, and responding kindly when someone has hay fever. - Learn English useful for talking about hay fever. Practise everyday phrases for describing symptoms, talking about medicine, and responding kindly when someone has hay fever.Keep practising the phrases from this episode and test what you've learned with our quiz here. - Keep practising the phrases from this episode and test what you've learned with our quiz here.

    ዕጡቓት ሑቲ የመን ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝተኣሳሰራ መራኽብ ከጥቅዑ ምዃኖም ኣፈራሪሖም፡ ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (16 መስከረም 2026)

    Play Episode Listen Later Sep 15, 2026 6:43


    ** ዕጡቓት ሑቲ የመን ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝተኣሳሰራ መራኽብ ከጥቅዑ ምዃኖም ኣፈራሪሖም፡ ** መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቀዳሞት ኣህዛብ ኣውስትራልያ ዘስዕቦ ኣዕናዊ ጽልዋታት መጠኑ ከቢድ ምዃኑ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ኣረጋጊጹ። ... ** ናይሮቢ ናይ ፈለማ ኣፍሪቃዊት ከተማ ንሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለም ከተአንግድ ተመሪጻ።#sbsaudiopodcast

    What are Indigenous Protected Areas in Australia? - ኣብ ኣውስትራሊያ ሕዙኣት ቦታታት ደቀ'ባት ዝበሃሉ እንታይ'ዮም፧

    Play Episode Listen Later Sep 15, 2026 10:41


    National parks, nature reserves, marine sanctuaries and Indigenous Protected Areas protect different environments and operate under different rules. What makes an Indigenous Protected Area different, and how can you find out whether you are welcome to visit? - ሃገራዊ ፓርክታት፡ ዕቑር ተፈጥሮ፡ ሕዙእ ናይ ባሕር ክፋልን ደቀባት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ይሕዝኡን ብዝተፈላለዩ ሕግታት ይሰርሑን። ናይ ሓደ ሕዙእ ከባቢ ደቀባት ፍልይ ዝበለ ዝገብሮ እንታይ እዩ፣ ክትበጽሑዎም ትኽእሉ ምዃኖምን ብኸመይን ክትፈልጥ ትኽእል?

    ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ መስመር ሻምብቆ ነዳዲ ሱዕዲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዋጋታት ነዳዲ ከንህር'ዩ፡ (ሕጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ 15 መስከረም 2026)

    Play Episode Listen Later Sep 14, 2026 5:23


    ** ኣብ ልዕሊ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ቀረብ ዝወስድ ቁልፊ መስመር ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ዋጋ ነዳዲ ቀጻሊ ጽልዋ ክህልዎ ምኹኑ ተፈሊጡ።... ** ሰልፊ ዋን ኔሽን ወጢንዎ ዘሎ ምጉዳል ናይ ኣማኢት ኣሻሓት ስደተኛታት ን ኣውስትራሊያ ቢልዮናት ዶላራት ቁጠባዊ ክሳራ ከውርደላ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። ** ኤ-ኣይ ኣዝዩ ሓያልን ንምቁጽጻሩ ኣጸጋምን ቅድሚ ምዃኑ፡ ወዲ ሰብ መከላኸሊታት ንምትካል ውሱን ግዜ ጥራይ ከም ዘለዎ ኪኢላታት እቲ ዓውዲ የጠንቅቑ ።#sbsaudiopodcast

    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (14 መስከረም 2026)

    Play Episode Listen Later Sep 14, 2026 53:05


    ንሎሚ 14 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።#sbsaudiopodcast

    ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዝካየድ ዘሎ ሓድሽ ግጭት ትካላት ንግዲ ሶማልያ ኣማራጺ መስመራት መራኽብ ይደልዩ፡ (ዕለታዊ ዜና 14 መስከረም 2026)

    Play Episode Listen Later Sep 14, 2026 13:08


    ኣርእስታት ዜና፥ ሰነተር ሰልፊ ግሪንስ ሳራ ሃንሰን-ያንግ፡ መንግስቲ ፌደራል ሓደስቲ ማእከላት ዳታ ኤኣይ ደው ክብል ጸዊዓ። ሽወደናውያን ንሓደ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ናብ መንግስቲ ዘእቱ ወይ ድማ እታ ሃገር ናብቲ ካብ ነዊሕ እዋን ትፍለጠሉ ሊበራሊዝም ኣብ ቦታኡ ክጸንሕ ዝቃለስ ንምምራጽ ድምጾም ሂቦም። ሰልፊ ዋን ኔሽን ናብ ኣውስትራልያ ዝኣቱ ብዝሒ ስደተኛታት ብልዕሊ 750 ሽሕ ንምንካይ መደብ ኣውጺኡ።#sbsaudiopodcast

    'ንብምሉኡ ኢንተርነት ክቆጻጸሮ ይኽእል'ዩ፣' ላዕለዎት መራሕቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ሓደ ዓመት ክለዓል ይኽእል ዝብልዎ ስግኣት

    Play Episode Listen Later Sep 13, 2026 7:06


    ሓላፊ ናይ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ኩባንያታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዓለምና ህጹጽ ዝኾነ ምዝሓል ወይ ቀስ ምባል ኣብ ምዕባለ AI ክግበር ጸዊዑ። እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓደ ሰራሕተኛ ትካል ኣንትሮፒክ ዝነበረ፡ AI ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ንደቂ ሰባት ክቐትል ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃቡ'ዩ።#sbsaudiopodcast

    ርክብ ሰበስልጣን ኤርትራን ትግራይን ኣብ ሰንዓፈ፡ (ጸብጻብ)

    Play Episode Listen Later Sep 13, 2026 7:29


    ሰበስልጣን ኤርትራን ትግራይን ዝተረኽቡሉ ርክብ ሕብረተሰባት ኣብ ሰንዓፈ ተሳሊጡ። ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንምርግጋእ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ትሕምስ ኣላ ክትብል ከሲሳ ። ኣዋዕላ ብሪክስ ዝተሳተፈ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ኢራን ሓዊሱ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ዘተ ከምዝገበረ ገሊጹ። ኤርትራ፡ ንጉዳይ የመን ንምፍታሕ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክቕድም ተላብያ። ኣብ የመን ኣብ መንጎ ሑቲን ሓይልታት መንግስትን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣስታት 86 ሽሕ ሰባት ከምዝተመዛበሉ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ኣሎ።#sbsaudiopodcast

    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (10 መስከረም 2026)

    Play Episode Listen Later Sep 10, 2026 54:38


    ንሎሚ 10 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።#sbsaudiopodcast

    ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (10 መስከረም 2026)

    Play Episode Listen Later Sep 10, 2026 9:45


    ኣመሪካ ነቲ ምስ ካናዳ ጀሚራቶ ዘላ ንግዳዊ ምስሕሓብ መሊሱ ገዲዱ ፡ በዚ ድማ ብቐጥታ እገዳታት ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ፍርያትን ነቲ ዝጸንሐ ቀረጽን ከምዝቕየር'ውን ኣፍሊጣ ። ሰልፊ ለበር ፡ ኣብ መጻኢ ወለዶታት ብ ኦንላይን ክመጽእ ዝኽእል ጽልዋ ጐዳኢ ትሕዝቶታት ፡ ጐዳኢ ንምምሃር ዝውዕል ፡ 4 ሚልዮን ዶላር ሰሊዑ ። ሖቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብስዑዲ ዓረብ ዝግበር ጉዕዞ መራኽብ ደው ክብል ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። ማቲው ብሬን ኣብ መድረኽ 17 ቅድድም ቮልታ ስጳኛ ተዓዊቱ ፣#sbsaudiopodcast

    "ንእሱራት ክንጣበቕ ከለና ዓቢ ዕንቅፋት ዘጋጥመና ካብ ስድራ ቤት እሱራት'ዩ።" ጋዜጠኛ መሓሪ ኣብርሃም

    Play Episode Listen Later Sep 10, 2026 45:01


    ወትሩ ወርሒ መስከረም ኣብ ኤርትራ ጋዜጠኛታት ብሕቲ ጋዜጣትትን ብጉጅለ 15 ዝስመዩ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ ዝተኣስርሉን ሃለዋቶም ዝጠፍኣሉን ዝዝከረሉ እዩ። እቲ ኣብ 2001 ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ሎሚ ርብዒ ዘመን ኣቚጺሩሉ ኣብዘሎ ካብቶም ንፈለማ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ዝመስረቱ ጋዜጠኛ መሓሪ ኣብርሃም ዓዲምና ብዛዕባ ኣመዓባብላን ምዕጻውን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን እሱራትን ዝምልከት ዝርርብ እዩ። ጋዜጠኛ መሓሪ እታ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ናይ ፈለማ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ "መስትያት" ብእንግሊዝ ድማ "The Miror" ዝመስረተ እዩ። ናብ ስደት ምስ ኣምረሐ ኣብ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ከም ጋዜጠኛ ኮይኑ ዝሰርሐ ኮይኑ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ 2001 ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ናይ ፖሎቲካ እሱራትን ንማሕበረሰብ ዓለም እናጠርዐ ክጣበቕ ዝጸንሐ እዩ። ካብ ምጅማር ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ክሳብ ምዕጻውን ሃለዋት እሱራትን ዝምልከት ሰፊሕ ቃለ መሕትት።#sbsaudiopodcast

    ሂዩማን ራይትስ ዎች: ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲን ህወሓትን ዝገብሮ ዘሎ ናይ ሽምግልና ፃዕሪ ንምጥንኻር ክግምግሞ ፀዊዑ። (ጸብጻብ)

    Play Episode Listen Later Sep 9, 2026 10:09


    ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ዝተጀመረ ምሕዝነት ትካላዊ ቅርፂ ሒዙ ስራሕ ጀሚሩ ኣሎ ክብል ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተዛሪቡ። ሂዩማን ራይትስ ዎች ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲን ህወሓትን ዝገብሮ ዘሎ ናይ ሽምግልና ፃዕሪ ንምጥንኻር ክግምግሞ ፀዊዑ። ባንክ ኤርትራ ኣብ ኢድ ዝተሓዝ መጠን ጥረ ገንዘብ ዝድርት ሓድሽ መምርሒ ወግዓዊ ገይሩ። ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ዝተመደበ ልዕሊ 60 ሚልዮን ባጀት ኣጽዲቚ። ማሕበር መራሕቲ ከበድቲ መካይን ኢትዮጵያ ኣብ ኦሮሞያ ምዕራብ ወለጋ ኣርባዕተ መካይን ነዳዲ ብዕጡቓት ተቓጺለን ትሽዓተ መራሕቲ መካይን ከምዝጨወዩ ኣፍሊጡ።#sbsaudiopodcast

    ኤርትራ፡ ልዕሊ 63 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ንምሕያል ትካላትን ስርዓታትን ሓገዝ ካብ ዩኒሴፍ ክልገሰላ ምዃኑ ተፈሊጡ። (ሓጸርቲ ዜናታት)

    Play Episode Listen Later Sep 9, 2026 3:57


    ** ቅድሚ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ መጠንቀታ ተዋሂብዎ ምንባሩ ኣብዝግለጸሉ ኣብ ልዕሊ ናታንያሁ ጸቕጢ ይሕይል ... ** ብዝሒ ስደት ዳርጋ ብፍርቂ ንዞባዊ ህዝቢ ኣውስትራሊያ ጽልዋ ከምዝገበረሓደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ ... ** ኤርትራ፡ ልዕሊ 63 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ንምሕያል ትካላትን ስርዓታትን ሓገዝ ካብ ዩኒሴፍ ክልገሰላ ምዃኑ ተፈሊጡ።#sbsaudiopodcast

    Travelling safely in rural and remote Australia - ዉሑስ ጉዕዞ መገዲ ኣብ ገጠራትን ርሑቕ ቦታታትን ኣውስትራሊያ።

    Play Episode Listen Later Sep 9, 2026 9:33


    Australia is a vast and diverse country to explore, but driving in rural and remote areas can involve conditions you may not encounter in cities. Knowing what to expect and how to prepare can help you travel more safely and confidently. - ኣውስትራሊያ ዝሰፍሐን ብዙሕነት ዘለዎን ክትፍለጥ ዘለዋ ሃገር እያ ፡ እንተኾነ ኣብ ገጠርን ርሑቕ ከባቢታት ምዝዋር ከምቲ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዘይተጓነፈካ ኩነታት ከጠቓልል ይኽእል ። እንታይ ከም እትጽበን ብኸመይ ከም እትዳሎን ምፍላጥ ፡ ብደሓን ብምትእምማን ንኽትጐዓዝ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ ።

    ድሕሪ ካልኣይ ዉግእ ዓለም ንፈለማ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ A-F-D ኣብ ሓደ ግዝኣት ናይ ጀርመን ተመሪጹ።

    Play Episode Listen Later Sep 8, 2026 7:34


    ሰልፊ ኣማራጺ ንጀርመን ወይ (lternative for Germany Party, A-F-D)- ኣብ ግዝኣት ሳክሶኒ-ኣንሃልት ዝተኻየደ ምርጫ ቅዳማይ ብምውጻእ: ንመጀመርታ ግዜ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝመጽእ ዘሎ ሕሉፍ የማናዊ ሰልፊ ኮይኑ ኣሎ ። ኣብ ምብራቓዊ ሃገረ ጀርመን እቲ ዝሓየለ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኰይኑ እኳ እንተ ተቐልቀለ ፡ ብገዛእ ርእሱ መንግስቲ ከቕውም ግና ዓብላሊ ድምጺ ክረክብ ኣከኣለን።#sbsaudiopodcast

    ኣብ ኦስትርያ ቆልዑ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሒጃብ (መሸፈኒ ጸጒሪ) ከይለብሳ ተኸልኪሉ... ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (8 መስከረም 26)

    Play Episode Listen Later Sep 7, 2026 5:03


    *** ሰርቢያ፡ ነቲ ሓራዲ ህዝቢ ቦስኒያ ተባሂሉ ዝፍለጥ ገበነኛ ምላዲች ሕብረት ኣውሮጳ መጠንቀቕታ እንተሃበታ'ኳ ብመንግስታዊ ስርዓት ቀቢራቶ። *** ትሕቲ 14 ዓመት ዝዕድሚአን መሸፈኒ ጸጉሪ (ሕጃብ) ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ከይለብሳ ምኽልካሉ ብሕጊ ከምዝምጉቱ ኦስትራውያን ጉጅለታት ምስልምና ኣጠንቂቖም ።... *** ኣብ ኣውስትራሊያ ወቕቲ ጽድያ ጀሚርሉ ኣብዘሎ ፣ ምስ ምእታው ምዉቕ ኵነታት ኣየር ድማ ወቕቲ ተመን ዝጅምረሉ እዩ ።

    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (07 መስከረም 2026)

    Play Episode Listen Later Sep 7, 2026 48:43


    ንሎሚ 07 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።

    ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (07 መስከረም 2026)

    Play Episode Listen Later Sep 7, 2026 8:55


    ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ቪክቶርያ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ኣብ ዝርከብ ገዛ ሓደ ንኣባላት ስድራ ቤቱ ብፋስ ኣጥቂዑ ፡ ብርቱዕ ጕድኣት ኣውሪድሎም ዝሃደመ ይድለ ኣሎ ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ኣብ ኢራን ስርዓት ንምቕያር ዝብል ሓሳብ ዳግም ብምግላጽ ፡ እስራኤል ኣብቲ ግጭት ገና ዘይተወድአ ዕማም ከም ዘለዋ ገሊጹ ኣሎ ። ኢጣልያዊ ኪሚ ኣንቶኔሊ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ሞተር ፎርሙላ ዋን ናይ ኢታሊ ግራንድ ፕሪክስ ኣብ ሃገሩ ተዓዊቱ።

    ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንኣፍሪቃ ዘዕብይ፣ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ድማ ዘንእስ ካርታ ደጊፉ

    Play Episode Listen Later Sep 6, 2026 5:18


    ካርታ ዓለም ዝያዳ ቅኑዕ ንክኸውን ምሕዳሱን ምትኽኻሉን ጽቡቕ ሓሳብ ክመስል ይኽእል'ዩ፡ ብዙሓት ሃገራት ግን ብዛዕባኡ ሕጉሳት ኣይኮናን።

    መርገጺ ቻይና ኣብ ጉዳይ ሩባ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን። (ጸብጻብ)

    Play Episode Listen Later Sep 6, 2026 7:54


    መንግስቲ ትግራይ ንናይጀርያዊ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ብምንቃፍ፡ ዘይሻራዊን ነፃን ኣሸማጋላይ ክህሉ ጸዊዑ። ቻይና ኣብ ጉዳይ ሩባ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ናይ ግብጺ መርገጺ ኣንጸባሪቓ። ትግራዋይ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ፊልሞን ገብረሂወት ንሓደ ዓመት ዝተሰወረሉ ምኽንያት ምርመራ ክግበር ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ። ተሓጋጋዚ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ንጉዳያት ኣፍሪካ ፍራንክ ጋርስያ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ተመያይጡ። ኣገልግሎት ዜግነትን ኢሚግሬሽንን ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓለምለኻዊ ቤት ጽሕፈቱ ክኸፍት ምዃኑ ተፈሊጡ።

    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (03 መስከረም 2026)

    Play Episode Listen Later Sep 3, 2026 50:53


    ንሎሚ 03 መስከረም 2026 ዝተዳለወ፡ ዜና፡ ጸብጻብ፡ ዜናዊ ትንታነ፡ ቃለ መሕትትን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ምሉእ ትሕዝቶ።

    ቅድሚ 19 ዓመታት ኣብ መልበርን ዝጠፍአ ረዳኢ ብርሃነ- ኣበይ ኮን ይህሉ፧

    Play Episode Listen Later Sep 3, 2026 14:58


    6 ነሓሰ 2007 ኣኣ፡ ኣብ መልበርን ከባቢ ካርልተን ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ምስ ወፅአ ዘይተመለሰ መንእሰይ ረዳኢ ሃይሉ ብርሃነ፡ ደሃዩ ካብ ዝጠፍእ 19 ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ኣብቲ እዋን ወዲ 23 ዓመት ዝነበረ ረዳኢ፡ ኣብ ዝርዝር ንነዊሕ ዓመታት ዝጠፍኡ ኣወስትራልያውን ዝተመዝገበ ኮይኑ፡ ኣብዚ ቕንያት ኣብ ዝተሓተመ ዛንታ ናይ ዝተወሰኑ ዝጠፍኡ ኣወስትራልያውያን ዘዘንቱ መፅሓፍ ‘ሎስት' ታሪኹ ተገሊፁ ኣሎ። ጋዜጠኛ ሃይሉ ሳህለ፡ ንሓፍቲ ረዳኢ ዝኾነት እሌኒ ሃይሉ ኣዘራሪቡ ዘዳለዎ መደብ ክትከታተሉ ንዕድም።

    ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (03 ነሓሰ 2026)

    Play Episode Listen Later Sep 3, 2026 10:26


    ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ፡ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ዶብ ኔፓል-ቲቤት ዕልቕልቕ ድሕሪ ምፍጣሩ ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ኣውስትራልያውያን ሞይቶም ከይኮኑ ስግኣቱ ገሊጹ ። ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብሰንኪ ኢቦላ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 3,000 ምብጽሑ ውድብ ጥዕና ዓለም [WHO] ገሊጹ። ጋንታትታት ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ዝኾና ሎስ ኣንጀልስ ራምስን ሳንፍራንሲስኮ 49ን ኣብ ከተማ መልበርን ዝመጽእ ሰሙን ኽጻወቱ እዮም።

    Claim SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

    In order to claim this podcast we'll send an email to with a verification link. Simply click the link and you will be able to edit tags, request a refresh, and other features to take control of your podcast page!

    Claim Cancel