Listen to interviews, features and community stories from the SBS Radio Tigrinya program, including news from Australia and around the world. - ካብ ኣውስትራሊያን ዓለምን ዘካተተ ዜናታት፡ ቃለ መሕትታትን ትንታነታትን ብዛዕባ ኩነታት ማሕበረሰባት ንምስማዕ ረዲዮ ኤስ.ቢ.ኤስ መደብ ትግርኛ ተኸታተሉ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ (25 ታሕሳስ 2025) * ክቡራት ሰማዕትና ኣብ'ዚ መደብ ዜና ኣውስትራልያን ዓለምን፣ ንኣቀባብላ ሓድሽ ዓመት 2026 ኣብ ኣውስትራልያ ዝትንትን እዋናዊ ትሕዝቶ፣ ገምጋም ዓመተ 2025 ብመንጽር ምዕቃብ ከባብን እንስሳታት ዘገዳምን ከምኡ'ውን ግሎባዊ ዓለምን ከመይ ከምዝሓለፈ ዝትንትን መደብን ንቃልሲ ኣንጻር ክብሪ መነባብሮን ምውናን ኣባይቲ ዝምልከት ሓደ ዛንታቀሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ምክትታል።

ኣብ'ዞም ቀረባ ዓመታት ብዙሓት ምሸታት ኔሮም ከባቢ ሰዓት 11 ድ. ቀ. ኣብ መእተዊ ገዛይ መኪናይ ደው ኣቢለ ቅድሚ ንውሽጢ ገዛ ምእታወይ ኣብ'ታ መኪና ሱቕ ኢለ ንነዊሕ ኮፍ ይብል - ድሕሪ ናይ 16 ሰዓታት መዓልቲ ስራሕ.... ዘፍ ኢለ። ኪንዮ ናይ ቅድሚት መስትያት ናብ ባዶሽ ኣማዕድየ እናጠመትኩ 'ክንደይ ካልኦት ኣውስትራልያውያን ከምዚ ናተይ ተመሳሳሊ ይገብሩ'ለዉ'፣ ' ኣብ'ታ መዓልቲ ንመጻምድቶም ክርእዩወን ዕድል ዘይረኸቡ፡ ከይተበራበረት ካብ ድቃሳ ንግሆ ወጋሕታ ንስራሕ ኢሎም ገዲፎማ ዝኸዱ' ... ኢለ የስተንትን። ኣብ 2023 ሰለስተ ዓይነታት ስራሕ እናሰራሕኩ 70 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ይወፍር ኔረ- ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝረኸብኩዎ ገንዘብ ንላዕሊ እናረኸብኩ፡ ግን ከኣ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ፋይናንሳዊ ወጥሪ ካብ'ዚ ንላዕሊ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን። [[እዚ ትሕቶ ብዛዕባ ክብሪ ናብራ ካብ ዝድህስስ ናይ ዘተ መደብ SBS Insight ዝተወስደ ኮይኑ ብዛዕባ ሰባት `ከበድቲ እዋናት` ኢሎም ዝገልጽዎም (Tough Times) ዝምልከት ዝቐረበ ትሕዝቶ`ዩ። ንምሉእ ትሕዝቶኡ ኣብ SBS ON DEMAND ብነጻ ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

ጸብጻባት ልኡኽና (ባሕቲ ጥሪ 2026) * ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ኣመሓላሊፉ፣ * ህወሓት ሰብኣዊ ሓገዝ ክቐርብን ተመዛበልቲ ናብ ገዝኦም ዝምለሱሉ ናይ ግዜ ሰሌዳ ብንጹር ክፍለጥን ጸዊዑ፣ * ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ "ናብ ናይ ጋህዲ ምዕራፍ ይሰጋገር ኣሎ" ክብል ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ገሊጹ፣ * ሶማሊላንድ ፍልስጤማውያን ንምጥያስ ሓዊስካ ሰለስተ ቅድመኩነት ክትፍጽም ተሰማሚዓ ክብል ፕረዚደንት ሶማልያ ከሲሱ፣

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (ባሕቲ ጥሪ 2026) * ኣብ ግዝኣት ኲንስላንድ ዝናብን ንፋስን ዕንወት ኣብ ዘኸትልሉ፣ መንገድታትን ሕርሻታትን እቶም ቀንዲ ሻቕሎታተይ'ዮም ክብል ፕሪምየር'ታ ግዝኣት ኣፍሊጡ፡ * ቀዳመይቲ ጓለንስተይቲ መራሒት ባንግላደሽ ኻሊዳ ዚያ ድሕሪ ነዊሕ ሕማን ኣብ መበል 80 ዓመታ ዓሪፋ፡ * ጠለባት ንቲኬት ዋንጫ ዓለም 2026 ክብረወሰናት ፊፋ ሰይሮም፡

As with most years, the health sector has been a constant source of news stories - from outbreaks of illnesses to outstanding medical research, from politics to pandemics, from injuries to infections. SBS news looks back at some of the medical stories that hit the news in 2025. - ልክዕ ከም'ቶም ዝበዝሑ ዓመታት፡ ጽላት ጥዕና ቀጻሊ ምንጪ ሓደስቲ ዛንታታት ኮይኑ ጸኒሑ'ዩ - ካብ ለበዳታት ሕማማት ናብ ዝድነቕ ሕክምናዊ መጽናዕቲ፡ ካብ ፖለቲካ ናብ ለበዳ ወይ ፓንደሚክስ፡ ካብ መጉዳእታት ናብ ረኽሲታት ወይ ተመሓላለፍቲ ሕማማት። እዚ ትሕዝቶ ኣብ 2025 ዜና ዝነበሩ ዛንታታት ሕክምና ክድስስ'ዩ።

Sydney's iconic New Year's Eve fireworks will ring in 2026, but celebrations will look a little different this year with some police officers carrying long-arms following the Bondi terror attack. In other cities the New Year will also be welcomed with fireworks and music in many popular spots around the country. - ከተማ ሲድኒ ኣብ ዓለም ትፍለጠሉ ህቡብ ምርኢት ርችታት ድሮ-ሓድሽ-ዓመት፡ 2026 ምእታዋ ከበስር'ዩ፡ እንተኾነ ግን ጽምብላት ናይ'ዚ ዓመት ቁሩብ ፍልይ ዝበሉ ክኾኑ'ዮም - ንመጥቃዕቲ ሽበራ ቦንዳይ ተኸቲሎም ኣባላት ፖሊስ ነዊሕ ሰደፍ ዘለዎም ብረታት ክስከሙ ስለዝኾኑ። እቶም ካልኦት ከተማታት ድማ ንሓድሽ ዓመት፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ፡ ብርችታትን ሙዚቃን ኣብ'ቶም ፍቱዋትን ህቡባትን ቦታታት ኣብ መላእ ሃገር ክቕበሉዋ'ዮም።

2025 has been a huge year for geopolitics, natural disasters and a changing of the guard at the top levers of international power and influence. We look back at the key moments. - 2025 ዓባይ ዓመት ኣብ ጂኦፖሊቲክስ፡ ተፈጥሮኣዊ ዕንወታትን ምቅይያር ስልጣን ኣብ ላዕለዎት መሳልላት ዓለምለኻዊ ሓይልን ጽልዋን ኮይና ትሓልፍ ኣላ። ካብ`ዚ ቀጺልና ንምልከቶም ድማ እቶም ቀንዲ ህሞታት ኔሮም።

From former poachers now protecting endangered species to farmers adapting crops and traditions to help local wildlife, 2025 has been a brighter year for conservationists and the world's wildlife. - ካብ ሃደንቲ ነበር ሕጂ ኣብ ጥቓ ምጥፋእ ወይ ሓደጋ ምጽናት ዝርከቡ ዓሌታት ዝሕልዉ ክሳብ ሓረስቶት ነቶም ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ እንስሳታት ዘገዳም ንምሕጋዝ ዘራእቶምን ልምዶምን ዝቕይርሉ፣ 2025 ንዓቀብቲ ተፈጥሮን ናይ ዓለምና እንስሳዘገዳምን ብርህቲ ዓመት ኮይና'ያ ሓሊፋ።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (ሰሉስ 30 ታሕሳስ 2025) * ቻይና ኣብ ዙርያ ታይዋን ሰፊሕ-ዝርጋሐ ዘለዎ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣበጊሳ፡ * መስርሕ ምድላይ መንገዲ ኣየር ማለይዥያ በረራ MH-370፣ 10 ዓመት ወዲቓ ደሃይ ድሕሪ ምጥፋኣ ዳግማይ ተጀሚሩ፡ * ብሪጣንያዊ ተጓሳጣይ ኣንቶኒ ጆሹዋ ክልተ ሰባት ኣብ ዝቐተለ ሓደጋ መኪና ቀሊል መጉዳእቲ ወሪድዎ፡

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ (25 ታሕሳስ 2025) * ክቡራት ሰማዕትና ኣብ'ዚ መደብ ዜና ኣውስትራልያን ዓለምን፣ ንደብዳብ ኣሜሪካ ኣብ ናይጀርያ ዝትንትን እዋናዊ ትሕዝቶ፣ ጸብጻብ ዜናታት ካብ ልኡኽና፣ ገምጋም ዓመተ 2025 ብመንጽር ግሎባዊ ዓለም ከመይ ከምዝሓለፈ ዝትንትን መደብን ኣብ ግዜ ኣውደኣመት ኣተሓሕዛናን ኣመጋግባናን ንፌስታ ኣብ ንቕርቦም መግቢታት ከመይ ክኸውን ኣለዎ ዝምልስ ትሕዝቶን ቀሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ምክትታል።

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (29 ታሕሳስ 2025) ቀንዲ ነጥብታት ዜና፡ * ንንጥፈታት ድሮ-ሓድሽ-ዓመት-ሲድኒ ተወሰኽቲ ስጉምቲታት ጸጥታ ክውሰዱ'ዮም፣ * ብረት ዝዓጠቑ ፖሊስን ወተሃደራትን ክህልዉ ሰባት ትጽቢት ክገብሩ ኣለዎም ክብል ፕሪምየር'ታ ግዝኣት ኣፍሊጡ፣ * ከቢድ ምንቅጥቃጥ መሬት ንታይዋን ኣናዊጽዋ፣ * መንግስቲ ሶማልያ ዘይሕጋውን መጥቃዕቲ ኣብ ሉኣላውነተይ'ዩ ብምባል ንኣፍልጦ እስራኤል ንሶማሊላንድ ኮኒኑ፣

ጸብጻባት ልኡኽና (29 ታሕሳስ 2025) * ኤርትራ ምስ ግብጺ ኣብ ስምምዕ ምትሕብባር ወደብ በጺሓ ዝብል ሓበሬታ ውዱቕ ገይራ፣ * ኣብ ትግራይ 5 ህፃናት ብካርቦን ፈሓም ተዓፊኖም ሞይቶም፣ * ፕረዝደንት ክልል ትግራይ ኣብ ተመዛበልቲ ዘጋጠመ ጥሜት ውድቀትና ዘምጽኦ'ዩ ብምባል ኣመራርሓ'ቲ ክልል ናይ ፖሎቲካን ቢዝነስን ሸቀጥ ጉዳይ ንጎኒ ገዲፉ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ሂወት ኣድሕን ክነጥፍ ጸዊዑ፣ * ኤርትራ ንሓደገኛ ዞባዊን ዓለማዊን ቅልውላውን ዕንወትን ኪጥጃእ ዝጸንሐ'ዩ ብምባል ንኣፍልጦ ሶማሊላንድ ተቓውሞኣ ገሊጻ፣

President Donald Trump says the United States has launched a 'powerful and deadly' strike against IS in north-western Nigeria. Mr Trump described those killed as 'terrorist scum' who had been targeting and killing primarily innocent Christians. - ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ሓያልን ቀታልን መጥቃዕቲ ኣየር ኣንጻር ኣይኤስ (IS) ኣብ ሰሜን-ምዕራብ ናይጀርያ ኣበጊሳ'ላ ይብል። ንሱ ነቶም ዝተቐትሉ ሰባት ብቀንዱ ንኣመንቲ ክርስትና ዒላማ ክገብሩን ክቐትሉን ዝጸንሑ ‘መታለልቲ ግብረሽበራውያን' ክብል ገሊጽዎም።

ኣውስትራሊያዊያን ንገለ ገለ ኣውሮጳዊ ባህላዊ ኣበዓዕላታት ልደት (ክሪስማስ) ይኽተሉ እዮም። ናይ ገዛእ ርእሶም ባህሊ'ውን ኣማዕቢሎም እዮም። እቲ ጽቡቕ ነገር ኣብ ኣውስትራሊያ በዓል ልደት ወይ ክሪስማስ ንምብዓል ብዙሕ መገዲታት ምህላዎም እዩ። እዚ መደብ ንገለ ኣገባባት ኣበዓዕላ ክሪስማስ ኣብ ኣውስትራሊያ ክርእይ እዩ።

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ (25 ታሕሳስ 2025) ክቡራት ሰማዕትና ንኩልኹም ተብዕሉ ርሑስ በዓል ልደት ክኾነልኩም ንምነ! ሰላምን ቅሳነትን ዝመልኦ ክኾነልኩም ንምነ። ኣብ'ዚ መደብ ዜና ኣውስትራልያን ዓለምን፣ ንወጥሪ ኣሜሪካን ቨነዝወላን ዝትንትን እዋናዊ ትሕዝቶ፣ ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል ስነስርዓት ዝኽሪ በሃር ስነጥበባዊ ኤርትራዊ በረኸብ መንግስትኣብ (14 ታሕሳስ 2025 ኣብ ክተማ መልበርን ዝተኻየደ) ከምኡ'ውን ገምጋም ዓመተ 2025 ብመንጽር ፍጻመታት ኣብ ኣውስትራልያን ዓለምን ንምልከተሉ መደብ ኣለዉና። ሰናይ ምክትታል።

ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (25 ታሕሳስ 2025) * ባይቶ ግዝኣታዊ መንግስቲ ኒውሳውዝዌልስ ድሕሪ ግብረሽበራዊ መጥቃዕታት ተቓውሞታት ወይ ሰልፍታት ከይካየዱ ዝድርቱ ሕግታት ኣጽዲቑ፣ * ንፖሊስ ህዝባዊ ዋዕላታት ናይ ምድራት ስልጣን ዝህብ ሕጊ፡ ነቲ 26 ጥሪ ዝካየድ ሕጋውን ሰላማውን ተቓውሞታት ከይድርት ስክፍታ ፈጢሩ፣ * ጠለብ ኣገልግሎት ንደገፍ ጥዕና ኣእምሮ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝለዓለ ቁጽሪ ከምዝበጽሐ ተገሊጹ፣

ጸብጻባት ልኡኽና (25 ታሕሳስ 2025) * ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ህይወት ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ዝገብሩዎ ዘለዉ ሓገዝ ንኢዱ፣ * ባጤራ ኢትዮጵያ ዝኾነ ብር ኣብ'ዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመት 2025 ጥራሕ ምስ ዶላር ኣሜሪካ ካብ ዝነበሮ ዋጋ ብ15 ሚኢታዊ ከምዝነከየ ተሓቢሩ፣ * ዋና ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሽልማት ኔልሰን ማንዴላ ተቐቢሉ፣ * ሓድሕዳዊ ኲናት ሱዳን ናብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ከይልሕም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስግኣቱ ገሊጹ፣

The United States and Venezuela are edging closer to a serious diplomatic confrontation, after the US seized two oil tankers linked to the Venezuelan government in international waters, with a third now under pursuit. Venezuela accuses the US of piracy and an illegal naval blockade, as pressure mounts on the country's already sanctioned oil industry, with both Iran and China stating matters could spiral out of control. - ኣሜሪካ ምስ መንግስቲ ቨነዝወላ ምትእስሳር ዘለወን ክልተ መራኽብ ነዳዲ ኣብ ዓለም ለኸ ማያት ድሕሪ ምትሓዛን ንካልእ ሳልሰይቲ ድማ ትሃድነሉ ኣብ ዘላ እዋን፣ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ግጭት እናቐረባ ይኸዳ`ለዋ። ጸቕጥታት ኣብ`ቲ ድሮ እገዳ ተገይርሉ ዘሎ ጽላት ነዳዲ ቨነዝወላ እናለዓሉ ኣብ ዝኸድሉን ኢራንን ቻይናን ነገራት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ክኸዱ ይኽእሉ`ዮም ኢለን ኣብ ዝገልጻሉን ቨነዝወላ ንኣሜሪካ ብሽፍትነት ባሕሪን ዘይሕጋዊ ምዕጋት ሓይሊ ባሕሪን ትኸሳ።

In this year-end feature, we look back at major events including the Australian Federal Election, Australia's bid to host COP30, the tariff imposed on Australia by Donald Trump, the Pacific Nations Conference, the introduction of social media bans for children under 16, and many more significant developments. - ንፖለቲካ ኣውስትራልያ ኣብ 2025 ክንምልከት'ንከለና እቲ ዓመት ክትግምቶም ትኽእል ፖሊሲታት ግን ከኣ ዘሰንብዱ ውጽኢታት ዝነበርዎ ኔሩ። እዚ ድማ ሰልፊ ለይበር ብዓብላሊ ተዓዊቱ ናብ መንበረ መንግስቲ ዝተመልሰሉ ምርጫ ግንቦትን ክልተ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ፒተር ዳተንን ኣዳም ባንዲትን ወንበሮም ዝተመንጠልሉን ዘካትት ኔሩ። እሞ ዓመተ 2025 ኣብ መሳልላት ስልጣን ካንቤራ ከመይ ሓሊፉ፧

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (ሰሉስ 23 ታሕሳስ 2025) * መንግስቲ ግዝኣት ኒውሳውዝዌልስ ተቓውሞታት ካብ ደገፍቲ ፍልስጤማውያን ብዘየገድስ ሰልፍታትን ምረሻታትን ንምድራት ዝዓለሙ ተረርቲ ሕግታት ምውጻእ ይደፍኣሉ፣ * መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ነቶም ኣብ ፓሲፊክ ዘለዉ ሓዊስካ፣ ጥቓ 30 ዝኾኑ ዝለዓሉ ሞያዊ ዲፕሎማሰኛታት ካብ ወጻኢ ሃገራት ጸዊዑ፣ * ሓደ ሩስያዊ ጀነራል ኣብ ደቡባዊ ከተማ ሞስኮ ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ቦምብ ተቐቲሉ፣

ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ (22/12/2025) * ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ * ጸብጻብ ልኡኽና :- ኣብ ትግራይ ኣብ ሓደ መዓስከር ተመዛበልቲ 50 ሰባት ምማቶም ከምዝተገልጸ፣ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመርሖ ልኡኽ ምስ ፌደራል መንግስቲ ምምይያጡ፣ ኣብ ኤርትራ ተታሒዘን ዘለዋ ሰለስተ መራኽብ ኣዘርባዣን ክፍትሓ ጻውዒት ምቕራቡ፣ ስዊድን ደሃይ ኤርትራዊ እሱር ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ ምርግጋጻን፣ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ኩነታት ኣየር ብምጥቃስ ገለ በረራታት ውሽጢ ሃገር ደው ምባሉን ንሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት'ዮም። * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነዚ፣ ኣብ ገምገም ባሕሪ ቦንዳይ ቢች ዝተፈጸመ ናይ ሽብር መጥቃዕቲ ተኸቲሉ፣ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ሓደ ሓድሽ ሃገራዊ መደብ መሊስካ ምግዛእ ብረት ከቕውም`ዩ ይብል። ዝሓለፈ ሰንበት ድማ ንግዳያት ናይ`ቲ ተዂሲ ንምዝካር ብሃገር ደረጃ ዕለተ ምስትንታን ተኻይዱ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ዝኽሪ ነብስሄር በሃር ኤርትራዊ ስነ-ጥበባዊ በረኸት መንግስተኣብ፡ ሰንበት 14 ታሕሳስ 2025 ኣብ ሜልበርን፡ ኣውስትራልያ ተኻይዱ። ብማሕበረ ኮም ኤርትራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ ((ECA))ን ኣውስትራሊያዊያን ኤርትራውያን ባህላዊ መድረኽ ዝተወደበ ኔሩ። ህቡባት ስነ-ጥበባውያን ዓብደላ ኣቡበከር፡ ደሃብ ፈይድ ቲንጋ፡ ሳልሕ ጆሃርን ፍሉጣት ኣባላት ማሕበረሰብን ብዛዕባ በረኸት መንግስተኣብ ተዘክሮታቶም ኣካፊሎም። ቀዳማይ ክፋሉ ክቐርብ'ዩ። * ኣብ [መወዳእታ ኸኣ] ዓመተ 2025 ይውዳእ ስለዘሎ ገምጋም ንህበሉ ግዜ በጺሑ`ሎ ማለት`ዩ። ንፖለቲካ ኣውስትራልያ ኣብ 2025 ክንምልከት'ንከለና እቲ ዓመት ክትግምቶም ትኽእል ፖሊሲታት ግን ከኣ ዘሰንብዱ ውጽኢታት ዝነበርዎ ኔሩ። እዚ ድማ ሰልፊ ለይበር ብዓብላሊ ተዓዊቱ ናብ መንበረ መንግስቲ ዝተመልሰሉ ምርጫ ግንቦትን ክልተ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ፒተር ዳተንን ኣዳም ባንዲትን ወንበሮም ዝተመንጠልሉን ዘካትት ኔሩ። እሞ ዓመተ 2025 ኣብ መሳልላት ስልጣን ካንቤራ ከመይ ሓሊፉ ክንምልከቶ ኢና።

ኣርእስታት ዜና (22 ታሕሳስ 2025) * ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ስነስርዓት ዝክርን ምውላዕ ሽምዓን ንግዳያት ሽበራዊ ቅትለት ቦንዳይ ቪች ተካይዶም * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ንብቕዓት ፈደራል ኣኽበርቲ ሕጊን ትካላት ስለያን ኣብ ጸጥታን ድሕነትን ኣውስትራልያ መርመራ ክካየድ ምዃኑ ኣፍሊጡ * ፖሊስ ግዝኣት ቪክቶርያ ንግጥም ክሪኬት ጽባሕ መዓልቲ ልደት (Boxing Day Cricket) ተወሰኽቲ ኣባላት ሓለዋ ከዋፍር'ዩ * ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝርከብ ሓደ ባር ብዘጋጠመ ጃምላዊ ተኹሲ ትሽዓተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ዓሰርተ ቆሲሎም

ዝኽሪ በሃር ስነ-ጥበበኛ በረኸት መንግስተኣብ፡ ሰንበት 14 ታሕሳስ 2025 ኣብ ሜልበርን፡ ኣውስትራልያ ተኻይዱ ። እዚ ዝኽሪ ብ ማሕበረ ኮም ኤርትራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ (ECA) ከምኡ'ውን ብኣውስትራሊያዊያን ኤርትራውያን ባህላዊ ፎረም ዝተወደበ እዩ ። ፍሉጣት ስነ-ጥበባውያን እንተላይ ዓብደላ ኣቡበከር፡ ደሃብ ፈይድ ቲንጋ፡ ሳልሕ ጆሃርን ፍሉጣት ኣባላት ማሕበረሰብን ብዛዕባ ስነ-ጥበባዊ በረኸት መንግስተኣብ ተዘክሮታቶም ኣካፊሎም። ኣብዚ ትሕዝቶ ብመስርዖ ድምጾም ዝስማዕ: ሳራ ዓሊ-በኺት (ኣደወንበር ECA)፣ ሰሚር ኢማም (ምክትል ኣቦወንበር ECA)፣ ገዲም ሙዚቀኛ ዓብደላ ኣቡበከር፣ ስነጥበባዊ ሑሴን መሓመድ ዓሊ፣ ስነጥበባዊት ደሃብ ፋይድ ቲንጋ፣ ጋዜጠኛን ተንታትንን ሳልሕ ቓዲ ጀሃር፣ ዶክተር ታድዮስ ተስፉ (ተሓኤ)፣ ተጋ. ሃይለየሱስ ገብራይ፣ ኣወሃሃዲ ጋዜጠኛ ኣሕመድ ሸሪፍ A memorial event was held for the late legendary Eritrean artist, Bereket Mengisteab, in Melbourne, Australia on Sunday 14 December 2025. It was jointly organized by Eritrean Australian Cultural Forum and Eritrean Community in Australia (ECA). Famous artists, including Abdela Abubeker, Dahab Faid Tinga, Saleh Johar and prominent community members shared their fond memories of the late artist.

ኣብ ትግራይ ኣብ ሓደ መዓስከር ተመዛበልቲ 50 ሰባት ምማቶም ከምዝተገልጸ፣ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመርሖ ልኡኽ ምስ ፌደራል መንግስቲ ምምይያጡ፣ ኣብ ኤርትራ ተታሒዘን ዘለዋ ሰለስተ መራኽብ ኣዘርባዣን ክፍትሓ ጻውዒት ምቕራቡ፣ ስዊድን ደሃይ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ እሱር ጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ ምርግጋጻን፣ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ኩነታት ኣየር ብምጥቃስ ገለ በረራታት ውሽጢ ሃገር ደው ምባሉን ንሎሚ (22 ታሕሳስ 2025) ንጽብጽቦም ዜናታት'ዮም።

Prime Minister Anthony Albanese says his government will establish a new national gun buyback scheme, following the terror attack at Bondi Beach last Sunday. And this Sunday will see a nationwide day of reflection to remember the victims of the shooting. - ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነዚ፣ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ገምገም ባሕሪ ቦንዳይ ቢች ዝተፈጸመ ናይ ሽብር ወይ ራዕዲ መጥቃዕቲ ተኸቲሉ፣ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ሓደ ሓድሽ ሃገራዊ መደብ መሊስካ ምግዛእ ብረት ከቕውም`ዩ ይብል። ዝሓለፈ ሰንበት ድማ ንግዳያት ናይ`ቲ ተዂሲ ንምዝካር ብሃገር ደረጃ ዕለተ ምስትንታን ተኻይዱ።

Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'to be stuffed'. - ሓድሽ ሓረግ ወይ ኣገላልጻ ተመሃሩ'ሞ ቋንቋ እንግሊዝኩም ዝያዳ ተፈጥሮኣዊን መሳጥን ግበርዎ። Words We Use ከም በዓል 'to be stuffed' ዝኣመሰሉ ሕቡእ ትርጉም ዘለዎም ኣገላልጻታት ክንርድኦም ዝሕግዝ ክልተ-ቋንቋዊ ስሩዕ ተኸታታሊ መደብ'ዩ።

** ዜናታት ኣውስትራልያን ዓለምን ** ጸብጻባት ልኡኽና:- ፕረሲደንት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ንልዝብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሑ፣ ሚንስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ ብወገኑ ተኣጊዱ ዝጸንሐ ባንክ ሕሳብ ትእምት ክንቀሳቐስ ከም ዝፈቐደ ኣፍሊጡ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ዝተኣሰሩ 10,000 ሰባት ክፍትሑ ጸዊዑ፣ ኢትዮጵያን ህንድን ሓዱሽ ናይ ምትሕብባር ስምምዓት ከቲመን፣ ኢትዮጵያ ኣብ 2026 ተወሳኺ ቅልውላው ከጋጥመን ካብ ዝተገመተለን ናይ ዓለም ሃገራት ኣብ 4ይ ደረጃ ተሰሪዓ: ** መራሕቲ ኣመሪካን ኤውሮጳን ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ቅድሚ በዓል ልደት ንምውሓስ ተስፋ ብምግባር ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከብቅዕ ዝዓለሙ ዘካይድዎም ዘለዉ ልዑል ደረጃ ዲፕሎማስያዊ ዝርርባት ናህሪ እናወሰኹ ይኸዱ'ለዉ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዝርርባት ኣብ ዝተነድፈ ውጥን ሰላም ርኡይ ምዕባለ ኣርእዮም ይብል። ዩክሬን ነቲ እማመ ብሓጎስ ክትቅበሎ እንከላ፡ መጻኢ ናይ'ቲ ብሩስያ ዝተጎበጠ መሬትን ውሕስነት ጸጥታ ንምክልኻል ዳግማይ ተጻብኦን ዘካተቱ ግን ወሰንቲ ዝኾኑ ዘይተፈትሑ ጉዳያት ተሪፎም ኣለዉ። ነዚ ዝጽብጽብ ትሕዝቶ ** ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ኣረጋውያን፡ ዘኽታማትን ኣካለ ጉዱኣትን ዝሕግዝ ዘሎ ትካል ኣዶ (ADOE) መን`ዩ፧ ብከመይ ተጀሚሩን ኣብ'ዚ እዋን ካብ ኣብ ኣውስትራሊያን መላእ ዓለምን ሓገዝ ብምእካብ ዘካይዶ ንጥፈት እንታይ ከም ዝመስልን ንኣካያዲ`ቲ ትካል መርእድ እያሱ ኣዘራሪብናዮ`ለና። ካልኣይ ክፋሉ ቀሪቡ'ሎ። ** ኣብ መወዳእታ ሓጋይ ሳመር() ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ኣዝዩ ምዉቕ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ምስ እናወዓየት ትኸይድ ዘላ ፕላኔት ድማ ማዕበላት ሙቐት ዝያዳ ተደጋጊሞም ዘጋጥሙን ዝያዳ ጽዑቓትን ክኾኑ ትጽቢት ይግበር። ንኣውስትራልያ ኣብ ንገልጸሉ ትሕዝቶ ተኽእሎታት ሓደጋ ማዕበላት ሙቐትን ተደጋገምቲ ይኾኑ ብምህላዎም ድማ ከመይ ገይርና ንሰግሮምን ክንመሃር ኢና።

ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ታሕሳስ 2025) * እቲ ብህይወት ተሪፉ ዘሎ ጥርጡር ኣብ`ቲ ናይ ሰንበት ጃምላዊ ምትኳስ ኣብ ቦንዳይ ቢች፣ 15 ተግባራት ቅትለት ሰብን ሓደ ተግባር ግብረሽበራዊ መጥቃዕትን ዝርከብዎም፣ ብ59 ገበናት ተኸሲሱ: * ዝነኣሰት ግዳይ ናይ'ቲ ቅትለት ጓል 10 ዓመት ማቲልዳ ሎሚ ሓሙስ ሓመድ ድበኣ ክፍጸም'ዩ: * ብርቱዕ ዝናብ መዓስከራት ንዝተመዛበሉ ሰባትን ኣብ ግዜ ኲናት ድሮ ብእስራኤል ዝዓነዉ ህንጻታትን ኣብ ዘዕለቕለቕሉ: ኩነታት ኣብ ቓዛ ምንቁልቋሎም ይቕጽሉ'ለዉ * ፕረዚደንት ዩክሬን ሃገሩ ካብ ሩስያ ኣብ እትከላኸለሉ ዘላ እዋን፡ መሻርኽቲ ሃገራት ክድግፉዋ ጸዊዑ።

ናይ ሎሚ (18/12/2025) ጸብጻባት ዜና * ፕረሲደንት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ንልዝብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሑ፣ * ሚንስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ ብወገኑ ተኣጊዱ ዝጸንሐ ባንክ ሕሳብ ትእምት ክንቀሳቐስ ከም ዝፈቐደ ኣፍሊጡ፣ * ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ዝተኣሰሩ 10,000 ሰባት ክፍትሑ ጸዊዑ፣ * ኢትዮጵያን ህንድን ሓዱሽ ናይ ምትሕብባር ስምምዓት ከቲመን፣ * ኢትዮጵያ ኣብ 2026 ተወሳኺ ቅልውላው ከጋጥመን ካብ ዝተገመተለን ናይ ዓለም ሃገራት ኣብ 4ይ ደረጃ ተሰሪዓ:

High-level diplomatic talks aimed at ending the war in Ukraine are gaining momentum, with United States and European leaders hoping to secure a path to peace before Christmas. US President Donald Trump says negotiations on a draft peace plan have made significant progress. While Ukraine has welcomed the proposal, key issues remain unresolved, including the future of Russian-occupied territory and security guarantees to prevent renewed aggression. - መራሕቲ ኣመሪካን ኤውሮጳን ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ቅድሚ በዓል ልደት ንምውሓስ ተስፋ ብምግባር ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከብቅዕ ዝዓለሙ ዘካይድዎም ዘለዉ ልዑል ደረጃ ዲፕሎማስያዊ ዝርርባት ናህሪ እናወሰኹ ይኸዱ'ለዉ። ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝርርባት ኣብ ዝተነድፈ ውጥን ሰላም ርኡይ ምዕባለ ኣርእዮም ይብል። ዩክሬን ነቲ እማመ ብሓጎስ ክትቅበሎ እንከላ፡ መጻኢ ናይ'ቲ ብሩስያ ዝተጎበጠ መሬትን ውሕስነት ጸጥታ ንምክልኻል ዳግማይ ተጻብኦን ዘካተቱ ወሰንቲ ዝኾኑ ዘይተፈትሑ ጉዳያት ግን ተሪፎም ኣለዉ።...

There can be a lot on our plates at this time of year - and our meals can come with a side of sickness. The Australian Food Safety Information Council has released its top tips for how to enjoy the season safely - aiming to reduce more than four and a half million* [[4.67M]] cases of food poisoning each year. - በብዓይነቱ መግቢ ንፌስታ ክትቋደስዎ ክትምድቡ እንከለኹም ገለ ምኽርታት ምናልባት ኣገደስቲ ዝኾኑ ክህልዉ ይኽእሉ'ዮም። ምኽንያቱ እቶም ንቕርቦም መግብታት ኣብ'ዚ እዋን ኣብ መኣድና ብዙሓት ይኾኑ'ሞ ኣብ ገለ ክፋሉ ሕማም የምጽኡልና።

ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (16 ታሕሳስ 2025) * ሓዘንተኛታት ዕምባታት ዘንበሩሎምን ንዝኽሪ'ቶም ዝተቐትሉ ሰባት መልእኽታት ሓዘን ዝገደፉሎምን ስነስርዓታት ምብራህ ሽምዓ በዓል ሃኑካ ኣብ መላእ ሃገር ተኻይዶም፣ ንቀታሊ ብረት ዘሕደጎ ሰብ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ዶላር ኣብ ጎፋንድሚ ተኣኪብሉ፣ * ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለኒስኪ፡ ምስ ልኡኻት ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ በርሊን ዝርርብ ክቕጽል'ዩ፣ * ረዲት ኣንጻር'ቲ ኣብ ዓለም መሪሕ ዝኾነ ኣውስትራልያ ዝሓገገቶ እገዳ ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ መድረኻት ንትሕቲ ደቂ 16 ክሲ ብምቕራብ ሕጋዊ መስርሕ ኣበጊሱ፣

Summer in Australia can be very hot, and as our climate continues to warm, heatwaves are expected to become more frequent and more intense. In this episode of Australia Explained, we cover what a heatwave is, why they pose such a significant risk to human health, who is at most risk, and how to best prepare to cope with a heatwave. - ብማዕበላት ሙቐት ዝፍጠሩ ተኽእሎታት ሓደጋ ኣፍልጦ ኣለኩም ዶ፧ ሳመር (ሓጋይ) ኣብ መላእ ኣውስትራልያ ኣዝዩ ምዉቕ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡ ምስ እናወዓየት ትኸይድ ዘላ ፕላኔት ድማ ማዕበላት ሙቐት ዝያዳ ተደጋጊሞም ዘጋጥሙን ዝያዳ ጽዑቓትን ክኾኑ ትጽቢት ይግበር። ኣብ'ዚ ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ ትሕዝቶ ተኽእሎታት ሓደጋ ማዕበላት ሙቐትን ተደጋገምቲ ይኾኑ ብምህላዎም ድማ ከመይ ገይርና ንሰግረሎምን ክንመሃር ኢና።

The United States has defended the seizure of a Venezuelan oil tanker as a major US naval build-up in the region continues. Venezuelan President Nicolas Maduro has described the seizure as illegal with the US also imposing further sanctions on relatives of Maduro and other targetted naval vessels. - ኣሜሪካ ሓይሊ ባሕራ ኣብ'ቲ ዞባ ምጥንኻራ ኣብ ትቕጽለሉ ዘላ እዋን ንተሰካሚት ነዳዲ መርከብ ቨኒዝወላ ክትሕዝ ዝወሰደቶ ውሳነ ተኸላኺላትሉ። ፕረዚደንት ቨነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮ ነዚ ምትሓዝ ዘይሕጋዊ ኢሉ ገሊጽዎ፣ ኣብ ልዕሊ ኣዝማዱን ካልኦት መራኽብ ሓይሊ ባሕርን ሃገሩ ድማ ተወሳኺ እገዳታት ብኣሜሪካ ተነቢርሎም።

ን ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣረጋውያን፡ ዘኽታማትን ኣካለ ጉዱኣትን ዝሕግዝ ዘሎ ትካል ኣዶ (ADOE) መንዩ፧ ብከመይ ተጀሚሩን ኣብዚ እዋን ካብ ኣብ ኣውስትራሊያን መላእ ዓለምን ሓገዝ እና ኣከበ ዝገብሮ ንጥፈት እንታይ ከም ዝመስል ን ኣካያዲ እቲ ትካል መርእድ እያሱ ኣዘራሪብናዮ ኣለና።

መንግስቲ ኤርትራ ንዓመታት ኣሲሩዎም ዝጸንሐ 98 ሰባት ፈቲሑ። "ንሰላም ኢልና እንሸጦ ግዝኣት የለን" ክብል ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ተዛሪቡ። ብካልእ ሓበሬታ ኣብ ዘፈር ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ 50 ቢልዮን ዶላር ዕንወት ወሪዱ ተባሂሉ። ኣመሪካ፡ ን10 ኤርትራውያን ኣብ ዝርዝር "ሓደገኛ ገበነኛታት" ኣቐሚጣ። ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እገዳ ክንበር ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ እማመ ኣቕሪቦም።

Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'sleep on it'. - ሓድሽ ሓረግ ወይ ኣገላልጻ ተመሃሩ'ሞ ቋንቋ እንግሊዝኩም ዝያዳ ተፈጥሮኣዊን መሳጥን ግበርዎ። Words We Use ከም በዓል 'sleep on it' ዝኣመሰሉ ሕቡእ ትርጉም ዘለዎም ኣገላልጻታት ክንርድኦም ዝሕግዝ ክልተ-ቋንቋዊ ስሩዕ ተኸታታሊ መደብ'ዩ።

ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ ኲንስላንድ ፡ ነቶም ብዋሕስ ዝፍትሑ ካብ 10 ዓመት ኣብ ዝዕድሚኦም ቈልዑ ኤለክትሮኒካዊ ምክትታል ዘግብር ዘውጽኦ ሕጊ ፡ ናብ ባይቶኣዊ ኮሚተ መሪሕዎ ። ኣውስትራሊያውያን ዝርከብዎም ናብ ኣሜሪካ ዝኣትዉ በጻሕቲ ቪዛ ተዋሂብዎም ናብታ ሃገር ንኻኣትዉ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክገብርዎ ዝጸንሑ ንጥፈታት ከርእዩ ክግደዱ እዮም ። 230 ኣባላት ፖሊስ ኬንያ ፡ ናብታ ሀይቲ ኣትዮም ።

ንሎሚ ሓሙስ 11 ታሕሳስ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ተራኺቡ። ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ። መንግስቲ ፌደራል ንፕሮጀክት መቐለ 2.2 ቢልዮን ብር ሰሊዑ። ቀ/ሚ ህንዲ ኣብዚ ሰሙን ናብ #ኢትዮጵያ ክበጽሕ ተባሂሉ፣ ዕላማኡ ድማ ሽርክነት ልምዓትን ምትእስሳር ኣፍሪቃን ንምድልዳል እዩ። ኣብ ሱዳን፡ ልዕሊ 100 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ከምዝተቐትሉ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ። ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ'ውን ክቐርብ እዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ ኲንስላንድ ፡ ነቶም ብዋሕስ ዝፍትሑ ካብ 10 ዓመት ኣብ ዝዕድሚኦም ቈልዑ ኤለክትሮኒካዊ ምክትታል ዘግብር ዘውጽኦ ሕጊ ፡ ናብ ባይቶኣዊ ኮሚተ መሪሕዎ ። ኣውስትራሊያውያን ዝርከብዎም ናብ ኣሜሪካ ዝኣትዉ በጻሕቲ ቪዛ ተዋሂብዎም ናብታ ሃገር ንኻኣትዉ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክገብርዎ ዝጸንሑ ንጥፈታት ከርእዩ ክግደዱ እዮም ። 230 ኣባላት ፖሊስ ኬንያ ፡ ናብታ ሀይቲ ኣትዮም ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ተራኺቡ። ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ። መንግስቲ ፌደራል ንፕሮጀክት መቐለ 2.2 ቢልዮን ብር ሰሊዑ። ቀ/ሚ ህንዲ ኣብዚ ሰሙን ናብ #ኢትዮጵያ ክበጽሕ ተባሂሉ፣ ዕላማኡ ድማ ሽርክነት ልምዓትን ምትእስሳር ኣፍሪቃን ንምድልዳል እዩ። ኣብ ሱዳን፡ ልዕሊ 100 ሰባት ኣብ ሆስፒታል ከምዝተቐትሉ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ።

መንግስቲ ኣውስትራሊያ ንትሕቲ 16 ዓመት ዕድሚኦም ኣእምሮኦም የባላሹ ኣሎ ብምባል ነቲ ኣብ ዓለም ናይ መጀመርያ ዝኾነ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ እገዳ ኣብ ግብሪ ኣውዒልዎ ኣሎ ። ኰይኑ ግና ፡ እቶም መንእሰያት ካብቲ እግድ ንምህዳም ካልእ ሜላ ብምጥቃም ቅልጡፍ ምላሽ ይህብሉ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

Learn how to describe cooking at a barbecue. - Learn how to describe cooking at a barbecue.

** ኣማኢት ኣሻሓት ትሕቲ 16 ዓመት ዕድመኦም ኣውስትራሊያውያን ካብ ሎሚ ማሕበራዊ መዲያ ከይጥቀሙ ተኣጊዶም። ** ኤርትራ ብምእሳር ጋዜጠኛታት ኣብ ኣፍሪቃ ትመርሕ ከምዘላ IFJ ኣብ ናይ 2025 ጸብጻቡ ኣቕሪቡ... ** ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንከንቲባ ሎንደን ሳዲቕ ክሃን "ዘይረብሕ" ብምባል ብጸርፊ ኣጥቂዒዎ ።

Connecting with Indigenous Australia can be daunting for a newcomer to the country. So, where do you start? We asked Yawuru woman Shannan Dodson, CEO of the Healing Foundation, about simple ways to engage with First Nations issues and people within your local community. - ሓደስቲ ስደተኛ ንፈለማ እዋኣን ምስ ደቀባት ኣውስትራሊያ ተራኺቦም ክዘራረቡ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ ። ስለዚ ካበይ ኢኻ ትጅምር? ን ኣካያዲት ስራሕ the Healing Foundation ጓል ያዉራን ሻናን ዶድሰን ፡ ኣብ ከባቢኻ ምስ ዝርከቡ ሰባትን ፡ ምስ ቀዳሞት ማሕበረሰብ ዓለምን ቀሊል መገዲ ንምግዋር ሓቲትናያ ኣለና ።

** ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣውስትራልያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብዛዕባ ጸጥታዊ ጉዳይ ኣብ ዋሽንግተን ዲ-ሲ ተዛትዮም:... ** ኣብ ደቡብ ኮርዶፋን ፡ ኣብ መዋእለ ህጻናትን ኣብ ካልእ ቦታታትን ሱዳን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ፡ 63 ህጻናት ዝርከብዎም 114 ሰባት ከምዝሞቱ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ... ** ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሁ ቻንግቹን፡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይኣስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ተዘራሪቡ።

ን ሎሚ 08 ታሕሳስ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ብርሃን ጃብር እስማዒል ናይ 2025 ናይ ቪክቶሪያ ሕብረ-ባህላዊ ክብሪ (Victorian Multicultural Honour Roll) ተሸላሚ ኮይኑ ካብ ፕሪሜር ናይታ ግዝ ኣት ሽልማቱ ተቐቢሉ። ብርሃን ኣብ ወለንታዊ ስራሕ፡ ናብ ኢትዮጵያን ናብ ሱዳንን እናተጓዕዘ ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ብምሕጋዝ ብፍላይ ድማ ኣብ 3CR ናይ ኮሙኒቲ ራድዮ ጋዜጠኛ ኮይኑ ን 25 ዓመታት ብዝገበሮ ወለንታዊ ስራሕን ካልእን ንዝገበሮ ኣበርክቶ እዩ ተሸሊሙ። ነዚ ዝምልከት ምስ ኣቶ ብርሃን ጃብር ዝገበርናዮ ዕላል ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣሜሪካ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማልን “ሓድሽ ግጭታት ንምክልኻል” ትኹረት ክትገብር ምዃና ምምሕዳር ትራምፕ ኣነጺሩ። ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ቍጠባዊ ዕብየት ኤርትራ ዘተባብዕ ዝበሎ ሓድሽ ስትራተጂ ዘርጊሑ። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ማይ፣ ኢነርጂን ምግብ ዘድሃበ ዘተ ከም ዘካየደ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ኣብ ርብዒ ዓመት ንጎረባብቲ ሃገራት ብዘቕረበቶ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 46 ነጥቢ8 ሚሊየን ዶላር እቶት ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ። ኣብ 2025 ንንኣሽቱ ኣውስትራልያውያን ዘሻቐልዎም እንታይ ኔሮም፧ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ሓደ ትሕዝቶ'ውን ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ቀ/ሚ ኣንቶኒ ኣልባነስ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣውስትራልያ ካብ ረቡዕ ኣትሒዙ ክግበር ተወሲኑ ዘሎ ናይ ዕድመ እገዳ: ድሮ ዕዉት እዩ ክብል ገሊጹ። ኣብ ጋዛ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ካብዝተግበር ኣስታት ክልተ ወርሒ ጸኒሑ ፡ ብኣማእታት ኣሽሓት ንዚቝጸሩ ፍልስጤማውያን መሰረታዊ ቀረባት ክረኽቡ ከም ዝኸኣሉ ፡ ኣህጉራውያን ትካላት ረድኤት ገሊጾም ። ኣትሌት ፍጹም ዜናስላሴ፡ ኣብ ዉድድራት ኣህጉራዊ ማራቶን ካሊፎርንያ ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዉድድር ቀዳማይ ብምውጻእ ዉድድሩ ዛዚሙ።

ብርሃን ጃብር እስማዒል ናይ 2025 ናይ ቪክቶሪያ ሕብረ-ባህላዊ ክብሪ (Victorian Multicultural Honour Roll) ተሸላሚ ኮይኑ ካብ ፕሪሜር ግዝኣት ቪክቶሪያ ሽልማቱ ተቐቢሉ። ብርሃን ኣብ ወለንታዊ ስራሕ፡ ናብ ኢትዮጵያን ናብ ሱዳንን እናተጓዕዘ ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ብምሕጋዝ ብፍላይ ድማ ኣብ 3CR ናይ ኮሙኒቲ ራድዮ ጋዜጠኛ ኮይኑ ን 25 ዓመታት ብዝገበሮ ወለንታዊ ስራሕን ካልእን ንዝገበሮ ኣበርክቶ እዩ ተሸሊሙ። ነዚ ዝምልከት ምስ ኣቶ ብርሃን ጃብር ዝገበርናዮ ሰፊሕ ዕላል ኣብዚ ቀሪብናዮ ኣለና።

ኣርእስታት ዜና፥ ቀ/ሚ ኣንቶኒ ኣልባነስ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣውስትራልያ ካብ ረቡዕ ኣትሒዙ ክግበር ተወሲኑ ዘሎ ናይ ዕድመ እገዳ: ድሮ ዕዉት እዩ ክብል ገሊጹ። ኣብ ጋዛ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ካብዝተግበር ኣስታት ክልተ ወርሒ ጸኒሑ ፡ ብኣማእታት ኣሽሓት ንዚቝጸሩ ፍልስጤማውያን መሰረታዊ ቀረባት ክረኽቡ ከም ዝኸኣሉ ፡ ኣህጉራውያን ትካላት ረድኤት ገሊጾም ። ኣትሌት ፍጹም ዜናስላሴ፡ ኣብ ዉድድራት ኣህጉራዊ ማራቶን ካሊፎርንያ ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዉድድር ቀዳማይ ብምውጻእ ዉድድሩ ዛዚሙ።

ኣሜሪካ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማልን “ሓድሽ ግጭታት ንምክልኻል” ትኹረት ክትገብር ምዃና ምምሕዳር ትራምፕ ኣነጺሩ። ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ቍጠባዊ ዕብየት ኤርትራ ዘተባብዕ ዝበሎ ሓድሽ ስትራተጂ ዘርጊሑ። ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ማይ፣ ኢነርጂን ምግብ ዘድሃበ ዘተ ከም ዘካየደ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ ኣብ ርብዒ ዓመት ንጎረባብቲ ሃገራት ብዘቕረበቶ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 46 ነጥቢ8 ሚሊየን ዶላር እቶት ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ።

Teenagers are more concerned than ever about the cost of living, according the annual Mission Australia Youth Survey of more than 17,000 young people. Financial worries have jumped significantly in survey results in recent years, with climate change falling as an issue of concern, and mental health still having a large impact. - መንእሰያት ካብ ኩሉ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ብዛዕባ ክብሪ ናብራ ይሻቐሉ ክብል ርእይቶ ልዕሊ 17ሽሕ መንእሰያት ዝኣከበ ዓመታዊ ዝካየድ 'ሚሽን ኣውስራልያ ዩዝ ሰርቨይ' ኣፍሊጡ። ንገንዘብ ወይ ፋይናንስ ዝምልከቱ ሻቕሎታት ኣብ መለክዒታት ርእይቶ ናይ'ዚ ቀረባ ዓመታት ብዝለዓለ መጠን ንቅድሚት ዘሊሎም ኣለዉ፡ ለውጢ ክሊማ ከም ሓደ ኣሻቕሊ ዛዕባ ንታሕቲ ክወርድ'ንከሎ፡ ጥዕና ኣእምሮ ግን ሕጂ'ውን ዓቢይ ጽልዋ ዘለዎ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

Learn a new phrase and make your English sound more natural and interesting. Words We Use is a bilingual series that helps you understand idioms like 'to shout'. - ሓድሽ ሓረግ ወይ ኣገላልጻ ተመሃሩ'ሞ ቋንቋ እንግሊዝኩም ዝያዳ ተፈጥሮኣዊን መሳጥን ግበርዎ። Words We Use ከም በዓል 'to shout' ዝኣመሰሉ ሕቡእ ትርጉም ዘለዎም ኣገላልጻታት ክንርድኦም ዝሕግዝ ክልተ-ቋንቋዊ ስሩዕ ተኸታታሊ መደብ'ዩ።