POPULARITY
Kesi mbili za aina mpya ya kirusi cha UVIKO-19 kwa jina la Omicron, zime thibitishwa miongoni mwa wasafiri walio wasili jimboni New South Wales, kutoka Afrika Kusini Jumamosi 27 Novemba 2021.
Serikali ya Queensland imetangaza ita ondoa sheria za coronavirus kwa watu ambao wame pata chanjo kamili, na biashara pamoja nakuweka vizuizi kwa matembezi hospitalini kwa watu ambao hawaja chanjwa kuanzia mwezi ujao.
Miji ya Darwin na Katherine yaongezewa vizuizi vya Coronavirus kwa masaa 24 ya ziada, baada ya kesi mpya kutambuliwa.
The United Nations says it has evidence to back up human rights violations including possible war crimes from parties to the Tigray conflict.
Kiongozi wa chama cha Nationals ambaye pia ndiye kaimu waziru mkuu Barnaby Joyce, ameweka wazi baadhi ya taarifa ambayo chama chake kili afiki na chama cha Liberal, kuafiki kupunguza uzalishaji wa hefa chafu kwa kiwango cha sufuri kufikia mwaka wa 2050, ambayo ilijumuisha uwekezaji kwa kanda kusaidia katika mageuzi hayo.
24 መራሕቲ ናዚ ጀርመን ኣብ ዓለምለኻዊ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ኑረምበርግ ፍርዲ ካብ ዝወቦም 75 ዓመታት ኮይንዎ'ሎ። 19 ካብኦም ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ ገበናት ኲናትን ምእዋጅ ዘይሕጋዊ ኲናትን ገበነኛታት ተባሂሎም። እቲ መስርሕ ፍርዲ ክሳብ ሎሚ ንዓለማዊ ፍትሒ መሰረታውያን ዝኾኑ ኣምራት ብምቛም ታሪኽ ሰሪሑ'ዩ።
ጸብጻባት ዜና: * ሓይልታት ትግራይ: ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኢዶም ክህቡ፤ ህዝቢ ከተማታት ደሴን ኮምበልቻን ካብ ዓዱ ከይሃደመ ከተማታቱ ክሕሉ ፀዊዖም: * መንግስቲ ኢትዮጵያ: "ከተማ ሓይቅ ኣብ ኢድ ዕጡቓት ህወሓት ኣትያ" ዝብል ዜና ንዘቕረቡ ክልተ ጋዜጠኛታት ኣሲሩ ብራዕዳዊ ገበን ከሲሱዎም ተባሂሉ:* ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት 6800 ከምዝበጸሐ ሚንስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ:
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (28/10/2021)* ኣውስትራልያ መደንፍዒ ክታበታት ኮቪድ-19 ክትህብ ክትጅምር እያ* ቪክቶርያ 25 ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ድሕሪ ምማቶም ዝለዓለ ቁጽሪ መወቲ ኣብ መዓልቲ መዝጊባ* ኣብ ኲንስላንድ ዝነብሩ ኤርትራውያንን ኤርትራዊያን ኣውስትራልያውያንን ኩነታት ኣብ ሊብያ ኣብ ጸገም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንዓለም ንምቅላሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም
ኣብ'ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ግዝኣት ኲንስላንድ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ኣውስትራልያውያንን ኩነታት ኣብ ሊብያ ኣብ ጸገም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንዓለም ንምቅላሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (25/10/2021)* ኢትዮጵያዊት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ቫለንስያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ደቀንስትዮ ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ብምምዝጋብ ተዓዊታ፡ * ኤርትራዊ ዓወት ሃብተ ኣብ ስፐይን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ መሮር ዓወት ኣመዝጊቡ፡ * ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ስታድየም ባህር ዳር ንመጻረዪ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ብቑዕ ኣይኮነን ተባሂሉ ብካፍ ድሕሪ ምውሳኑ ኢትዮጵያ ኣንጻር ጋና ዘለዋ ግጥም ኣብ ጆሃንስበርግ ከተካይዶ መሪጹ፡ * ቀዳማይ እግሪ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ደቀንስትዮ 2022 ኢትዮጵያ ብኡጋንዳ 2-0 ተሳዒራ፡ * ቻይና ብሰንኪ ኣተሓሕዝኣ ኣብ ልዕሊ ውሁዳን ማሕበረሰባት ነቐፌታ ክቐርበላ እንከሎ ትወስዶም ቅጽበታዊ ስጉምትታት ንኩዕሶ ሰኪዐት ኣሜሪካ ኤንቢኤይን ጋንታታቱን ኩሉ ግዜ ኣብ ፍርሒ ከምዝነብሩ ጌርዎም ክብሉ ማሕበራት ተጣበቕቲ መሰላት ስግኣቶም ይገልጹ
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (18/10/2021)* ኢትዮጵያውያን ትዕግስት ማሙየ ኣብ ፓሪስ ታምራት ቶላ ኸኣ ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ዝተኻየዱ ማራቶናት ተዓዊቶም፡ * ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም ቐጠር 2022 ክልተ ተኸታተልቲ ስዕረታት ኣብ ኢድ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስካማ ናይ ምሕላፍ ዕድላ ማህሚኑ፡ * ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽግለታ ላ ክላሲክ ሞርቢሃን ኤርትራዊት ደሴት ኪዳነ ዘዕግብ ውጽኢት ኣመዝጊባ፡ * ፈላሚት ኣፍሪቃዊት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ መወልቲ ተናዲ፡ ንተቐዳደምታ ኸኣ ንዓመተ 2022 ካልኦት ጋንታታት ከናድዩ ትሕብር፡
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (11/10/2021)* ኢትዮጵያ ሳልሳይ ዙርያ ምድባዊ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም ቐጠር 2022 ኣንጻር ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ባህር ዳር ኣካይዳ 3-1 ተሳዒራ፡ * በዓልቲ ብሩር መዳልያ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ ዓዳ ተመሊሳ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩላ፡* ደቀንስትዮ መንእሰያት ኢትዮጵያ ት20 ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም ፊፋ ት20 መንእሰያት ንሩዋንዳውያን መዛኑአን ብገፊሕ 4-0 ስዒረን፡ * ሽወደን ኣብ ዘካየደቶ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ዓለም ሃገራት ኤውሮጳ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ተኣምራዊት ሽቶ ብምምዝጋብ ሃገሩ 3-0 ክትዕወት ሓጊዙ፡* እንግሊዛዊት ጋንታ ፕሪምየር ሊግ ኒውካስትል ዩናይትድ ስዑዳውያን ሃብታማት ገዚኦማ ደገፍታ ክሕጎሱ እንከለው ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ጋንታታትን ስግኣት ሓዲርዎም
Jimbo la NSW lapata kiongozi mpya baada ya Gladys Berejeklian kujiuzulu chini ya wingu la uchunguzi wa ufisadi.
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (04/10/2021)* ኢትዮጵያዊ ሲሳይ ለማ ተዓዋቲ ለንደን ማራቶን ኮይኑ፡ ዓወቱ ኣረጋጊጹ ቀስ ኢሉ ብምእታው ግን ናይ ኣሽሓት ዶላር ሞቕሽሽ ኣምሊጥዎ፡ * ኣብ በርሊን ማራቶን ሳልሳይ ዝወጸ ኢትዮጵያዊ ገዲም ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ካብ'ቲ ውድድር ክሰናበት መደብ ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ፡ ወዲ 40 ዓመት'ውን ጽቡቕ ውጽኢት ከመዝግብ ይኽእል'ዩ ኢሉ፡ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ክሮ ረይስ፡ ክሮኤሽያ፡ ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ግርማይ ዘዕግብ ውጽኢት ከመዝግብ እንከሎ ኣብ በደህቲ ኩነታት ኣብ ዝተኻየዱ ካልኦት ቅድድማት ኤውሮጳ ግን ተቐዳደምትና ውድድሮም ክፍጽሙ ኣይከኣሉን፡ * ክታበት ኮቪድ-19 ዘይኣምኑ ወይ ዘይቅበሉ ከዋኽብቲ ስፖርት ዓለምና ኣብ ዝለዓሉ ውራያት ስፖርት ስክፍታታትን ምስንኻላትን ይፈጥሩ
Mweka hazina wa New South Wales na Naibu kiongozi wa chama cha Liberal Dominic Perrottet, anatarajiwa kuwa kiongozi mpya wa New South Wales.
ህጻናት ተሰከምቲ ኣደራዕ ጽልዋታት ክሊማዊ ለውጢ ክኾኑ ምዃኖም ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ዝተፈልጠ'ዩ፡ ንሶም ወላሓንቲ ዘየበርከትሉ ቅልውላው። እንተኾነ ግን ሓደ ሓድሽ ጸብጻብ ካብ ትካል ህጻናት ኣድሕን (Save the Children) ክንደይ ተወሰኽቲ ክሊማ-ዘበግሶም ተፈጥሮኣዊ ዕንወታት እዞም ሎሚ ዝተወልዱ ህጻናት ከጋጥምዎም'ዮም ንዝብል ሓደ ቁጽሪ ኣቐሚጦምሉ'ለው። እቲ ጸብጻብ ብማእከላይ ገምጋም ሓደ ሓደ ዓመት ዕድመ ዘለዎ ህጻን ካብ ኣባሓጎታቱ ክሳብ 24 ግዜ ዝተዓጻጸፈ ዝያዳ ባርዕ ሓዊ፡ ምዕልቕላቓት፡ ዕንወት ኣዝርእቲ፡ ደርቅታትን ማዕበላት ሙቐትን የጋጥምዎ ክብል ደምዲሙ።
ጸብጻብ ዜናታት (27/09/2021) * ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘሎ ከበባ ኣብ ሓጺር እዋን ዝሰብር ንሓዋሩ'ውን ውሕስና ህዝቢ ትግራይ ዝኸውን ድልዱል ሰራዊት ይህነጽ ኣሎ ክብሉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ተዛሪቦም።* ኤርትራ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣሲራቶም ዝነበረት ሰዓብቲ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያን ፈቲሓ። * ኢትዮጵያ ኣብ ኣየርላንድ ዘሎ ኤምባሲኣ ትዓጽዎ ኣላ።* ሱዳን ናብ ግዝኣተይ ሰሊኾም ኣትዮም ዝበለቶም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣጥቂዓ ከም ዝመለሰቶም ገሊጻ።
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ* ፕሪምየር ኒው ሳውዝ ዌልስ መምርሒታት ኮቪድ-19 ዝፎኽሱሉ በዓል ሰለስተ ደረጃ ብመስርዕ ዳግማይ ንምኽፋት ዘኽእል መደብ ኣፍሊጣ።* ላዕለዋይ ኣመሓዳሪ ሰልፊ 'ፍሪ ደሞክራቲክ ፓርቲ' ጀርመን ድሕሪ'ቲ ተቐራራቢ ውጽኢት ምርጫ ናይ ሰንበት ዘተተታት ንምምስራት መንግስቲ ኣዋርሕ ክወስዱ ይኽእሉ'ዮም ኢሉ።* ሰራዊት ሱዳን ብሓይልታት ኢትዮጵያ ናብ ዶብና ዝተኻየደ ፈተነ ምእታው ኣፍሺልናዮ ክብል ገሊጹ።* ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ካይሮ ብቁጠባዊ ምኽንያታት ን3-6 ኣዋርሕ ስራሓቱ ኣብ ግብጺ ከወንዝፍ ምዃኑ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ ገሊጹ
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (27/09/2021)* ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ሃይሉ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ሻምፒዮና ዓለም ካልኣይ ወጺኡ ንኤርትራ ኣፍሪቃን ናይ ፈለማ ብሩር መዳልያ ብምዕታር ታሪኽ ሰሪሑ፡ * ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ውድድር ማራቶን ኢትዮጵያውያን ጎትይቶም ገብረስላሰን ጉያ ኣዶላን ብክልቲኡ ጾታታት ተዓዊቶም፡ ቀነኒሳ በቀለ ሳልሳይ ወጺኡ፡ * ኢትዮጵያ ዝመጽእ ወርሒ ኣንጻር ደቡብ ኣፍሪቃ ተካይዶም መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም 25 ተጻወታ መሪጻ፡ * ብፊፋ ዝቐረበ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ኣብ ክንዲ ኣርባዕተ ዓመት ጸቒጡ ዝካየድ ክልተ ዓመት ሰጊሩ ክካየድ ዝጠልብ እማመ ተቓውሞታት የጋጥምዎ፡
ክቡራት ሰማዕትና ኣብ መርበብ ሓበሬታ theconversation.com ‘How conflict has made COVID-19 a neglected epidemic in Ethiopia (ኣብ ኢትዮጵያ ጎነጽ ንኮቪድ-19 ከመይ ኢሉ ዝተረሰዐ ለበዳ ከምዝገበሮ)' ብዝብል ኣርእስቲ ሓደ ርእይቶ ብዶክተር ፍስሃ ሃይለ ተስፋይ ኣብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ናይ ድህረ ምረቓ ተመራማርን ዶክተር ሃይላይ ኣብርሃ ገሰሰው ኣብ ሓደ ብAustralian National Health and Medical research Council (NHMRC) ዝምወል ፕሮጀክት ዋና መርማሪን ዝሓለፈ ሰሉስ ተጻሒፉ ኔሩ። ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ'ዚ እዋን እናበኣሰ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ። እቲ ቀንዲ ደፋኢ ናይ'ዚ ለበዳ ‘ዓሌት ደልታ' ድዩ ኣይኮነን ገና ኣብ መጽናዕቲ ይርከብ። ስለ'ዚ ንምንታይ'ዩ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝለዓለ ቀዳምነትን ህጹጽነትን ተዋሂብዎ ኣብ ኢትዮጵያ ከምኡ ዘይኮነ ዝብሉን ምስኡ ዝተሓሓዙ እዋናዊ ጉዳያትን ዝተንከፈ ብዛዕባ'ዚ ጽሑፍ ክንዝቲ ምስ ሓደ ካብ'ቶም ጸሓፍቱ ዶክተር ፍስሃ ሃይለ ዘካየድናዮ ዕላል።
ሓደስቲ ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ ዝረኸቡ ሰባት ዝበዝሑ ክፍሊታት መንግስቲ ክረኽቡ ቅድሚ ምኽኣሎም ኣርባዕተ ዓመት ምጽባይ ከድልዮም እዩ። ኣብ ሕግታት ክፍሊት ማሕበራዊ ድሕነት/ሶሻል ሰኲሪቲ ኣውስትራልያ ዝተገብሩ ምቅይያራት ኣብ 2022 ኣብ ተግባር ክውዕሉ ክጅምሩ'ዮም። እዚ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ ነዞም ሓደስቲ ንውሓት ትጽበይሎም ግዜታት፡ እቶም ክፍሊታት ንመን ይግብእዎን ነቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ኸኣ እንታይ ሕድገታት ይህልውን ክገልጽ'ዩ።
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (23/09/2021)* ግዝኣታት ኒውሳውዝ ዌልስን ቪክቶርያን ዝለዓሉ ቁጽርታት መልከፍቲ ኮቪድ-19 ከምዝረኸባ ሓቢረን፡* ኣውስትራልያን ኣሜሪካን ምስ ፈረንሳ ዘለውን ዝምድና ከዐርያ ይጓየያ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ግን ተሪር ኣካይዳ መሪጻ፡* ቻይና ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተነብረ ሓድሽ ዙርያ እገዳታት ከምዘይትቕበሎ ኣፈኛ ወጻኢ ጉዳያታ ኣፍሊጡ
ምርጫ ጀርመን፡ ንምትካእ ኣንገላ መርከል ከም ቻንስለር፡ ዝመጽእ ሰንበት 26 መስከረም ክካየድ'ዩ። እንተኾነ ግን ወይዘሪት መርከል ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ከም ዓርሞሸሽ ትረአ እንተነበረት'ኳ ብዙሓት ጀርመናውያን ሃገሮም ኣብ ዓለምለኻዊ ፖለቲካ መሪሕ ተራ ክትሕዝ ቃልዓለም የርእዩ።
ክቡራት ሰማዕትና ኩነታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ከብቅዕ ኣብ ልዕሊ'ቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ጸቕጥታት እናወሰኹ ይኸዱ'ለው። ብፍላይ ከኣ እቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ብፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ዝወጸ ሓድሽ ትእዛዝ ነቶም ነዚ ኲናት ዘጋድድዎ ዘለው ወገናት፡ ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ኣብ ጠረጴዛ ዘተ ኮፍ ንኽብሉ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ከኣ ሓይልታቱ ከውጽእ ጸቕጢ ዘሐይል ስርዓተእገዳ/ሳንክሽንስ ረጂም የቕውም። ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ሰለስተ ገጻት ዝሓዘ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ባይደን ብምልኣኽን ቅሉዕ ደብዳበ ብምጽሓፍን ተቓውሞኡ ገሊጹ። መንግስቲ ኤርትራ ጸኒሑ ነቲ መጠንቀቕታ እገዳ ዝነጽግ መግለጺ ኣውጺኡ። ህወሓት ብመንገዲ ኣፈኛ ጌታቸው ረዳ ንሰላማዊ ዘተ ድሉው ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣሜሪካ ነዞም ግብረመልስታት ምስ ተዓዘበት ትዕግስታ ከምዝወድአት ዘመልክት መሊሳ ሶኑይ ነቲ መልእኽቲ ደጊማቶ። ነቲ ኣማኻሪ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ዝኾነ ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ዘስምዖ ጽልኢ ዝተሓወሶን ንህልቂት ዝጽውዕ መደረ ብትሪ ኮኒናቶ። ስለ'ዚ ክሳብ ክንደይ'ዩ እዚ ናይ ኣሜሪካ ተበግሶ ተሰማዕነት ዘለዎን ኣብ ባይታ ለውጢ ዘምጽእን፧ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታትን ሚዛን ሓይልን ከይተቐየረ ቅድመ ኩነት ዘይብሉ ዘተ ዝሕሰብ ድዩ፧ ነዚኦምን ካልኦትን ምስ'ዚ ጉዳይ ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ንምንጻር ንኣባል ቦርድ ኤሪፕስ ወይ ትካል መጽናዕቲ ኤርትራውያን ንፖሊሲን ስትራተጂን ኣቶ ኣምሃ ሃብተማርያም ደረስ ሓቲትናዮ ኔርና።
Mvutano wakidiplomasia kati ya Australia na Ufaransa waendelea kuchemka, hata hivyo waziri mkuu asema hana lakujadili na rais wa Ufaransa.
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (20/09/2021)* ኣብ ቪየና፡ ኦስትርያ፡ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ ማራቶን፡ ቪየና ማራቶን፡ ኢትዮጵያዊ ደራራ ሁሪሳ ተዓዊቱ ከብቅዕ ጌጋ ሳእኒ ወዲዩ ስለዝተወዳደረ ዓወቱ ተመንጢሉ፡ * ሻምፒዮና ቅ/ብ መንገዲ ዓለም 2021 ኣብ ፍላንደርስ በልጅም ተጀሚሩ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝለዓሉ ተቐዳድምተን ብምስላፍ ይሳተፋ'ለዋ፡ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ካብ 2022 ዓም ጀሚሩ ምስ ጋንታ ኢኤፍ ኢዱኬሽን-ኒፖ ክጽንበር ምዃኑ እታ ጋንታ ገሊጻ፡ * ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም ቐጠር 2022 ሃገራት ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ ኣብ ዘላቶ ምድብ ካብ ዝርከባ ክልተ ሃገራት ማለት ጋናን ዚምባብወን ዝሓለፈ ሰሙን ብቑዕ ወይ ቅቡል ዝበልኦ ውጽኢት ብዘይምምዝጋበን ኣሰልጠንተን ክሶጋ ምውሳነን ተፈሊጡ
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (13/09/2021)* ኢትዮጵያ ናብ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2022 ንምሕላፍ ተካይዶ ዘላ ጎስጓስ ኣብ ካልኣይ ዙር ግጥማ ኣብ ባህርዳር ንዚምባብወ 1-0 ብምስዓር ትንፋስ ሰዂዓትሉ፡ * ዓመታዊ ቅድድም ብሽግለታ ግራንድ ፕሪ ደ ፎርሚስ ሰንበት ተኻይዱ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ሃይሉ መበል 12 ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ፡ * ገዲም ኣትሌትን ፕረዚደንት ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ደራርቱ ቱሉ ኣብ'ዚ ቀረባ ግዜ ንዝወለዳ ኣርባዕተ ኣትሌታት ኣብ ሓጎሰን ክትካፈልን ናብ ሓድሽ ዓመተ 2014 እንቋዕ ኣብጽሓክን ክትብልን ኣብ ቤተን በጺሓተን፡ * ሰለስተ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ጂቡቲ ሃገሮም ብኣልጀርያ ብገፊሕ 8-0 ድሕሪ ምስዓራ ፈሪሖም ንዓዶም ከይምለሱ ኣብ ፈረንሳ ዑቕባ ሓቲቶም፡ ሓደ ካብኦም ከኣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ፓሪስ ንሓደ ሰሙን ክቕኒ ተገዲዱ፡
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (06/09/2021)* ኬፕታውን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ 10000 ሜ ኢትዮጵያዊት ታዱ ናረ ብሉጽ ውልቃዊ ግዜ ብምምዝጋብ ተዓዊታ፡ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቦኽሪ ቅድድም ብሽግለታ ክላሲክ ግራንድ ቤሳንኮን ዶብስ ቀዳማይ ፕሮፌሽናል ዓወቱ ኣመዝጊቡ፡ * ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምድባዊ መጻረዪ ግጥማ ንዋንጫ ዓለም ፊፋ 2022 ዝሓለፈ ዓርቢ ኣካይዳ ብጋና 1-0 ተሳዒራ፡ * ጂቡቲ ብወገና ኣንጻር ሻምፒዮን ኣፍሪቃ ኣልጀርያ ገጢማ ብገፊሕ 8-0 ተሳዒራ፡ * መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ዓለም ቐጠር 2022 ኣብ መንጎ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ ብራዚልን ኣርጀንቲናን ሰንበት ብምኽንያት ጸገማት ምኽታል መምርሒታት ኮቪድ-19 ግጥም ተጀሚሩ ድሕሪ 5 ደቓይቕ ምቁራጹ መዛረቢ ዓለም ኮይኑ፡
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (30/08/2021)* ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ኦሎምፒክስ ኣካለስንኩላን ወይ ግጥማት ፓራሊምፒክስ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ ግዜ ብትዕግስት ገዛኸኝ መንግስቱ ኣቢላ ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ 1500 ሜ ወርቂ መዳልያ ዓቲራ፡ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዳዊት የማነ ኣብ ቅ/ብ ዙር ጀርመን ተሳቲፉ፡ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኢትዮጵያዊት ያለምዘርፍ የኋላው ነቲ ዝጸንሐ ክብረወሰን ዓለም ብምሕምሻሽ ተዓዊታ፡ * ኢትዮጵያ መዳለዊ ንመጻረዪ ዋንጫ ዓለም ፊፋ ዝኾንዋ ክልተ ግጥማት ኣካይዳ ምስ ሲየራሊዮን ብዘይሽቶ ማዕረ ክትፈላለ እንከላ ንኡጋንዳ 2-1 ስዒራታ፡ * ኣብ ግጥማት ባይታ ቴኒስ ኣሜሪካ ዩኤስ ኦፕን ተጻወቲ ፍርቆም ጥራይ ተኸቲቦም ክንሶም ተዓዘብቲ ክኣትው መረጋገጺ ክታበት ከርእዩ ግዴታ ምዃኑ ምዕዝምዛማት ፈጢሩ
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (23/08/2021)* ኣብ ናይሮቢ ክካየዱ ኣብ ዝጸንሑ ውድድራት ኣትለቲክስ ሻምፒዮናታት ዓለም 2021 መንእሰያት ት20 ኢትዮጵያውያንን ኬንያውያንን ኣትሌታት ሓያሎ ዓወታት ብምጉንጻፍ መዳልያታት ሓፊሶም፡ ኤርትራ'ውን ዕውት ተሳትፎ ብምግባር መዳልያ ተቛዲሳ፡ * መበል 57 ዓመታዊ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ደ'ለ'ኣቨኒር ሰንበት ተዛዚሙኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃንን ኢትዮጵያዊ ነጋሲ ሃይሉ ኣብርሃን ዘዕግብ ውጽኢት ኣመዝጊቦም፡ * ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ግጥም ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ኣፍኮን 2021 ዝገጥማሎም ምድባት ዝሓለፈ ሰሙን ወጺኦም፡ * ካብ ነፋሪት ዝወደቐ ኣፍጋናዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ታሪኻዊ ምስሊን ዘይሃስስ ምዕራፍን መርኣያ ሕንፍሽፍሽ ህዝቢ ብሰንኪ ፍርሒ ምእታውጣሊባንን ምርሕራሕ ምዕራባውያን ሓይልታትንኮይኑ
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (23/08/2021)* ፕረዚደንት ዩናይትድ ስቴትስ ጆ ባይደን ኣሜሪካ ትመርሖ ዘላ ምውጻእ ኣሜሪካውያን፡ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ኣፍጋናውያንን ካልኦትን ወሲኾም ኣለው፡ እቶም ጻዕርታት ከኣ ክቕጽሉ'ዮም ኢሉ።* ኣውስትራልያ ኣብ'ቲ ናይ ካቡል ኤምባሲኣ ዝሰርሑ ዝነበሩ ልዕሊ 100 ሓለውቲ ጸጥታ ቪዛ ክትከልኦም ወሲናቶ ዝነበረት ውሳነ ቀይራቶ።* ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ 818 ሓደስቲ መልከፍታት ኣብ ማሕበረሰብ ዝመሓላለፍ ኮቪድ-19ን ተወሰኽቲ ሰለስተ ዝሞቱ ሰባትን ረኺባ።* ቀ/ሚ ስኮት ሞሪሰን ኣውስትራልያ ሓንሳብ መጠናት ክታበት ኮቪድ-19 70% ኣብ መላእ ሃገር ምስ በጽሑ ንቕድሚት ክትከይድ ክትጅምር ይግባኣ ኢሉ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ጥዕና ኣውስትራልያ ፕሮፌሰር ፖውል ኬሊ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ስኮት ሞሪሰን ሒዝዎ ዘሎ መርገጺ፡ ማለት መዓልታዊ ቁጽርታት መልከፍቲ ኮቪድ-19 ብዘየገድስ፡ ዒላማታት ብዝሒ ክታበታት ይወቕዑ ጥራይ እምበር ቀይድታት ክለዓሉ ክጅምሩ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ይድግፎ ኣሎ። ገለ ካብ'ተን ግዝኣታትን ዶባዊ ምምሕዳራትን ግን እቶም ካብ 70 ክሳብ 80% ኣብ በጽሒ ዕድመ ዝርከቡ ኣውስትራልያውያን ምሉእ ብምሉእ እንተተኸቲቦም እቶም ቀይድታትን መዕጸውትታትን ብሓቂ ክኽፈቱ ድዮም ኣብ ምልክት ሕቶ የእትዮሞ ኣለው፡ እቲ ነዚ ግምትን ኣንፈትን ዝሃበ ብትካል መጽናዕቲ ዶሀርቲ ዝቐረበ ቅርጸ ትንበያ/ሞዴሊንግ መሰረት ኣብ ማሕበረሰብ ትሑታት ቁጽሪ መልከፍቲ ክህሉ ዝብል ስለዝኾነ ብምባል የስምርሉ። ፕሮፌሰር ኬሊ ዝሃቦም ርእይቶታት ዝመጹ ዘለው ትማሊ ኮይኑ ኣውስትራልያ 917 ሓደስቲ መልከፍታት ኣብ ዘመዝገበትሉ መዓልትን 830 ካብ'ዚኦም ኣብ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ዝኾኑሉን እዋን'ዩ።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (16/08/2021)* ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ውበቱ ኣባተ ኢትዮጵያ ኣንጻር ጋናን ዚምባብወን ንእተካይዶም መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም 2022 28 ተጻወቲ ልምምዶም ክጅምሩ መሪጹ፡ * ኣብ መባእታዊ መጻረዪ ግጥማት ናብ'ቲ ኮስታሪካ ተአንግዶ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ፊፋ ደቀንስትዮ መንእሰያት ት20 ኤርትራ ንጂቡቲ ኣብ ቀዳማይ እግሪ ግጥም 3-1 ስዒራታ፡ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፖሎኝ ጽቡቕ ምንቅስቓስ ኣርእዩ፡ ዳዊት የማነ ከኣ ምስ ጋንታ ባይክ ኤይድ ተጸንቢሩ፡ * ሰለስተ መዳልያታት ብምዕታር ኣብ'ቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተዛዘመ ግጥማት ኦሎምፒክስ ቶክዮ 2020 ቅያ ዝሰርሐት ኢትዮጵያ ዝመበቆላ ነዘርላንዳዊት ሲፋን ሓሰን ንኢትዮጵያ ወኪላ ከይትወዳደር ምውሳና ከምዘየጣዕሳን ኣብ'ታ ሃገራ ሰላም ክወርድ ከምእትደልን ገሊጻ፡
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (09/08/2021)* ወናኒት ክብረወሰን ዓለም 10000 ሜ ኢትዮጵያዊት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ኦሎምፒክስ ቶክዮ 2020 ኣብ'ቲ ክትዕወተሉ ብዙሕ ትጽቢት ተገይሩላ ዝነበረ ውድድር 10000 ሜ ሳልሰይቲ ብምውጻእ ነሓስ መዳልያ ተሰሊማ፡ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ቢንያም ግርማይ ብደረጃ ዙር ዓለም ምስ ትወዳደር ጋንታ ኢንተርማርች-ዋንቲ-ጎቤር ክወዳደር ውዕል ከምዝፈረመ ተፈሊጡ፡ * ኦሎምፒክስ ቶክዮ 2020 ብዓወት ተዛዚሙ፡ ሱታፌ ኢትዮጵያን ዘመዝገበቶ ውጽኢትን ብብዙሓት ነቐፌታት ይዘንቦ፡ ኣብ መሪሕነት ለውጥታት ክተኣታተውን ስፖርት ዝያዳ ቆላሕታ ክግበረሉን መጸዋዕታታት ይቐርቡ፡ * ኦሎምፒክስ ቶክዮ ስደተኛታት ዓለም ዝተሓበንሉ ኮይኑ ሓሊፉ፣ ኣብ ኣውስትራልያ ደቡብ ሱዳን መበቆል ዘለዎ ፒተር ቦል ቀልቢ ሃገር ስሒቡ፡
Forces from Ethiopia's Tigray region have taken control of the town of Lalibela, with its UNESCO World Heritage site of rock-hewn churches.
*** ግጭቱን ተከትሎ ዩናይትድ ስቴትስና ዩኔስኮ ተዋጊዎች የላሊበላን ውቅር ዐቢያተ ክርስቲያናት ቅርስ እንዲያከብሩ ጥሪ አሰሙ
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (02/08/2021)* ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ 10000 ሜ ኦሎምፒክስ ኢትዮጵያ ን10 ዓመት ከይተዓወተት ድሕሪ ምጽናሕ ብሰለሞን ባሬጋ ኣቢላ ኣብ ቶክዮ ወርቂ መዳልያ ዓቲራ፡ * ኣብ ግጥማት ሴካፋ ት23 መንእሰያት ባህር ዳር ታንዛንያ ኣብ ፍጻመ ግጥም ንቡሩንዲ ስዒራ ሻምፒዮን ኮይና፡ * ገዲም ኤርትራዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩ'እግሪ 60ታትን 70ታትን ዝነበረ ኢታሎ ቫሳሎ ብሕማም ምኽንያት ከምዝዓረፈ ተገሊጹ፡ * ጀርመናዊ ኣሰልጣንን ኣካያዲ ስፖርት ቅድድም ብሽግለታን ፓትሪክ ሞስተር ኣብ ኦሎምፒክስ ቶክዮ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ቅድድም ቅልጣፈ ግዜ ኣብ ልዕሊ ኣልጀርያዊ ዓዘዲን ላጋብን ኤርትራዊ ኣማኑኤል ገ/ሄርን ዘቕንዐ ዓሌታዊ ጸርፊ ዝሓዙ ቃላት ብምጥቃሙ ካብ ቶክዮ ተሶጒጉ፡
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (26/07/2021)* ኣብ ግጥማት ሴካፋ ት23 መንእሰያት ባህር ዳር ኣአንጋዲት ሃገር ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ፍርቂ ፍጻመ ከይሓለፋ ተሪፈን፡ * ኣጥቃዓይ ኤርትራ ዓሊ ሱለይማን ምስ ጋንታ ባህርዳር ከነማ ናይ ክልተ ዓመት ውዕል ፈሪሙ፡ * ኤርትራዊት ሞሳና ደበሳይን ኢትዮጵያዊት ሰላም ኣምሃን ንቅድድም ብሽግለታ መንገዲ ደቀንስትዮ ኦሎምፒክስ ኣድሚቐንኦ ውዒለን፡ * ብደቂተባዕትዮ ኸኣ ኤርትራውያን ኣማኑኤል ገ/ሄርን መርሃዊ ቅዱስን ኣብ ቅድድም መንገዲ ተሳቲፎም ኣብ ሓምሳታት ደረጃ ወዲኦም፡ * ኢትዮጵያ ኣብ ምረሻ መኽፈቲ ስነስርዓት ኦሎምፒክስ ቶክዮ ክልተ ሰባት ጥራይ ብምስላፋ ቁጥዐ ኣብ ህዝቢ ክፈጥር እንከሎ ኣብ መንጎ ልኡኻት ኦሎምፒክስን ገዳይም ኣትሌታትን ምክሳስ ፈጢሩ፡ * ሓደ ኤርትራዊ ኣባል ልኡኽ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ መንጎ መኽፈቲ ስነስርዓት ኦሎምፒክስ ኣብ ባይታ ብምድቃሱ መዛረቢ መራኸቢ ሓፋሽ ኮይኑ
Interview with Dr. Jehonathan Ben Dr. Jehonathan Ben is a researcher at Deakin University here in Melbourne, Australia. Last year he completed his PhD study and the title of his thesis was ‘Ambivalent Motion: Eritreans' Work Pursuits and Intercultural Connections in Melbourne'. It examines how highly educated Eritrean migrants relate to novel environments and forces they encounter in Australia. Motivated by a series of gaps in research and theorising on migrant lives, including insufficient attention to migrants' capacities to act, experiences beyond resettlement, and groups from certain national, education and work backgrounds. Also present were Dr Amanuel Elias, a researcher at Deakin University, and Beyene Semere, EP SBS Tigrinya. - Interview with Dr. Johonathan Ben Dr. Jehonathan Ben is a researcher at Deakin University here in Melbourne, Australia. Last year he completed his PhD study and the title of his thesis was ‘Ambivalent Motion: Eritreans' Work Pursuits and Intercultural Connections in Melbourne'. It examines how highly educated Eritrean migrants relate to novel environments and forces they encounter in Australia. Motivated by a series of gaps in research and theorising on migrant lives, including insufficient attention to migrants' capacities to act, experiences beyond resettlement, and groups from certain national, education and work backgrounds. Also present were Dr Amanuel Elias, a researcher at Deakin University, and Beyene Semere, EP SBS Tigrinya.
ቁጽሪ ሓደስቲ መልከፍታት ኮቪድ-19 ኣብ ኢንዶነዝያ ብጣዕሚ ብዙሓት'ዮም ዘለው፡ ንመንግስቲ'ታ ሃገር ከኣ ነቶም ኣውጺእዎም ዝጸንሐ ቀይድታት ምንቅስቓስን መምርሒታት ዕጽዋን ክሳብ መወዳእታ'ዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን ከናውሖም ኣገዲዶሞ። እዚ ዝመጽእ ዘሎ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝርከቡ ተንተንቲ ዘካየድዎ ሓደ መጽናዕቲ ቁጽሪ መወትቲ ኣብ ህንዲ ካብ'ቲ መንግስቲ ዘቕርቦ ወግዓዊ ቁጽሪ ብሚልዮናት ይበዝሕ ኢሎም ኣብ ዝገለጸሉ'ዩ።
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ * ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ ኩነታት ለበዳ ደልታ ዝዓይነቱ ኮሮናቫይረስ እናበኣሰ ይኸይድ ከምዘሎ ዘመልክት ዝለዓለ ዕለታዊ ቁጽሪ መልከፍታት ኮቪድ-19 ዝኾነ 124 ሓደስቲ መልከፍታት መዝጊባ።* ግዝኣት ኲንስላንድ ካብ ዓርቢ 23 ሓምለ 2021 ሰዓት ሓደ ወጋሕታ ጀሚራ ዶባታ ናብ ዝተረፉ ከባቢታት ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ ክትዓጽዎ'ያ።* ቪክቶርያ 26 ሓደስቲ መልከፍታት ኮቪድ-19 ኣብ ማሕበረሰብን ክልተ ከኣ ኣብ መወሸቢ ሆቴላትን መዝጊባ።* ጂቡቲ ተኽእሎታት መጥቃዕቲ ካብ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንምክልኻል ብምባል ሰራዊታ ናብ'ቲ ናይ ሓባር ዶባ ምስ ኢትዮጵያ ኣጸጊዓቶም።* ብውሑድ 17 ቤንጋሊ ስደተኝታት ካብ ሊብያ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኢጣልያ ክሰግሩ ክፍትኑ እንከለው ጸገም ኣብ ዘጋጠማ (ኤርትራውያን ካብ ዝነበርዋ) ጃልባ ጥሒሎም።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (19/07/2021)* ግጥማት ሴካፋ ዋንጫ ብድሆ መንእሰያት ት23 ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ-ኤርትራን እቶም ዋልያታት-ኢትዮጵያን ብዘካየደኦ ብዙሓት ሽቶታት ዝተመዝገቦ መሳጢ ግጥም ኣብ ከተማ ባህር ዳር ቀዳም ብወግዒ ተጀሚሩ፡ * ሰለስተ ኣባላትን ሓደ ኣሰልጣንን ዝሓቖፈት ሃገራዊት ጋንታ ቅ/ብ ኤርትራ ናብ'ቲ ካብ 23 ሓምለ ክሳብ 8 ነሓሰ ዝካየድ ኦሎምፒክስ ቶክዮ ክትሳተፍ ቀዳም ተበጊሳ፡ * ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ቅድድም ብሽግለታ ኩቤካ ኮንቲነንታል ዝወዳደር ኤርትራዊ መንእሰይ ሄኖክ ምሉእብርሃን ካብ ጥሪ 2022 ጀሚሩ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ክኸውን'ዩ ክትብል ጋንትኡ ኣፍሊጣ፡ * ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ግርማይ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ዘዕግብ ውጽኢት ብምምዝጋብ ውድድሩ ዛዚሙ፡ * ፖለቲካዊ ኤሊት ዓባይ ብሪጣንያ ብመንእሰያት ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ ዝመጽእ ዘሎ ማዕበል ለውጢ-ኣብ-ባህሊ ክዓግትዎ ይኽእሉ ድዮም፧
ኤስቢኤስ ትግርኛ ቃለመሕትት ምስ ዶክተር ጀሆናታን ቤን፡ጀሆናታን ቤን ኣብ'ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ንልዑል ደረጃ ትምህርቲ ሃልይዎም ኤርትራዊ ድሕረባይታ ዘለዎም መጻእቲ ኣብ ኣውስትራልያ ማእከል ዝገበረ ሓደ ንምድላይ ሽቕለት/ስራሕን በይነባህላዊ መርበባት ርክብ ወይ ዝምድና ኣብ መልበርን ዘሎ ሓዲግ ዝኾነ ጉዕዞ ዝድህስስ ብእንግሊዝ ‘Ambivalent Motion: Eritreans' Work Pursuits and Intercultural Connections in Melbourne' ዘርእስቱ መጽናዕቲ ኣካይዱ። ኣብ'ዚ ቀረባ ግዜ ብዶክተረይት ማዕርግ ተመሪቑ'ሎ። ትሕዝቶ'ዚ መጽናዕትን ኣገዳስነቱ ኣብ'ዚ እዋንን ከብርሃልና ንዶክተር ጀሆናታን ዓዲምናዮ ኔርና። ንምሉእ ትሕዝቶ ስርሑ (ፒኤችዲ ቲሲስ) ኣብ'ዚ መላግቦ ክትረኽብዎ ትኽእሉ፡ https://dro.deakin.edu.au/view/DU:30147542
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 112 ሓደሽቲ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ኣመዝጊባ። ** ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ነቲ ብ1995 ኣብ ቦዝንያ [ስረብሬኒካ [ስረብ-ሕዳግ ኒትስ-ኣህ] ዘጋጠመ ጃምላዊ ቅትለት ዘኪሮም። ** ኢጣልያ ኣብ ዩሮ 2020 ፡ ንእንግሊዝ ብድራማዊ ናይ ፍጹም ቅላዕ ስዒራ።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (12/07/2021)* ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ወቕቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝካየዱ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ቤትኪንግ ፕሪምየርሊግ ጋንታታት ኢትዮጵያ ኣብ ሓንቲ ጋንታ ሰለስተ ናይ ደገ ተጻወቲ ጥራይ ክፍቀዱ ምዃኖም ኣፍሊጡ፡* ሩዋንዳ ካብ'ቲ ኣብ ባህር ዳር ዝካየድ ግጥማት ሴካፋ ዋንጫ ብድሆ መንእሰያት ት23 ብምኽንያት ቀይድታት ምንቅስቓስ ድንጋገ ህጹጽ እዋን ኮቪድ-19 ከይዘይትሳተፍ ኣፍሊጣ፡* ኣብ ማስትሮማርኮ ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራዊ ኣባል ጋንታ ኩቤካ ኮንቲነንታል ሄኖክ ምሉእብርሃን ናይ ፖድየም ዓወት ኣመዝጊቡ፡* መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣማኑኤል ገ/ሄርን ሞሳና ደበሳይን ንኤርትራ ወኪሎም ኣብ ኦሎምፒክስ ቶክዮ ክሳተፉ ዝተመርጹ ተቐዳደምቲ ኮይኖም፡* ቶክዮ ኣብ ድንጋገ ህጹጽ እዋን ኮቪድ-19 ኣብ ዝኣተወትሉ ኦሎምፒክስ ብዘይተዓዘብቲ ክካየድ ተወሲኑ፡ እዚ ንመን የርብሕ ንመን'ከ ይሃሲ፧
Kampeni mpya ya matangazo inayowahamasisha wa Australia wachukue chanjo za COVID-19, imezinduliwa na serikali ya shirikisho.
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (05/07/2021)* ገዲም ኢትዮጵያዊ ጎያያይ ቀነኒሳ በቀለ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ታሪኽ ካልኣይ ዝቐልጠፈ ግዜ ኣብ ጉያ እግሪ ማራቶን እንተመዝገበ'ኳ ናብ ሃገራዊት ጋንታ ኦሎምፒክስ ኢትዮጵያ ከይተመርጸ ተሪፉ፡* ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንፈለማ ግዜ ብሓሙሽተ ደቀንስትዮ ኣብ ግጥማት ኦሎምፒክስ ቶክዮ 2020 ተወኪላ ክትሳተፍ ምዃና ተፈሊጡ፡* ቤት ምኽሪ ማሕበራት ኩ'እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ወይ ሴካፋ ኣብ ባህር ዳር ዝሓለፈ ሰለስተ ሓምለ ክጅምር መዲብዎ ዝነበረ ግጥማት መንእሰያት ት23 ብኽልተ ሰሙን ከምዘመሓላለፎ ኣፍሊጡ፡* ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ሄኖክ ምሉእብርሃንን መትከል ኢዮብን ሰንበት ኣብ ዝተሳፉሎም ውራያት ብሉጽ ናይ ካልኣይ ደረጃ ውጺታት ኣመዝጊቦም ዝብሉ ገለ ካብ'ቶም ኣርእስታት ዝሓዘ መደብ ኣለና። ክትከታተሉና ንዕድም።
Naibu afisa mkuu wa afya wa Australia ame wahamasisha wafanyakazi wa huduma ya wazee, wachanjwe dhidi ya COVID-19, baada ya mlipuko wa virusi mjini Sydney.
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (01/07/2021)* መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ናብ መቐለ ደጊሙ ክኣቱ ከምዝኽእል ሮቡዕ ድሕሪ ምግላጹ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝኣወጆ በይናዊ ተዂሲ ደው ናይ ምባል ውሳነ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ።* ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ 24 ሓደስቲ መልከፍታት ኮቪድ-19 ኣብ ማሕበረሰብ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ተመዝጊቦም።* መራሕቲ ግዝኣታትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ጥዕናን እቲ ዝለዓለ በዓል መዚ ክታበት ዝህቦም መምርሒታት ሸለል ክበሃሉ የብሎምን ኢሎም ድሕሪ ምጥንቃቖም ኣብ ዙርያ ክታበት ኮቪድ-19 ኣውስትራልያ ሕንፍሽፍሽ ተፈጢሩ።* ዶናልድ ራምስፈልድ፡ ክልተ ግዜ ዋና ጸሓፊ ምክልኻል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኮይኑ ዘገልገለን ቀንዲ ሓንጻጺ ወራራት ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ዝነበረ፡ ኣብ መበል 88 ዓመቱ ዓሪፉ።
ጸብጻባት ዜና (01/07/2021) ኤስቢኤስ ትግርኛሓይልታት ትግራይ ዓበይቲ ከተማታቶም ናጻ ምውጻእ ከም ዝቐጸሉ ኣፍሊጦም፡ ቀ/ሚ ኣብዩ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ዝጸንሐ ሰራዊት ህዝባዊ ደገፍ ከም ዘይነበሮ ኣሚኑ፡ መቐለ ከኣ ማዕረ'ታ ንሱ ዝተወልደላ ከተማ በሻሻ ክትከውን ማእኸል ስሕበታ ክንኪ ከም ዝተሰርሐ ተዛሪቡ፡ ድሕሪ ደጊም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ንዝፍጠር ነገር ተሓታቲ ከም ዘይኸውን ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡....